ተመሊሱ ዝሓቖፍ ኣሎ

Posted on 2012-01-11 · 1704 · 0 · 1

32 resources uploaded

ቤት ኣቦይ እምብዛ እዩ ጥዑም፣ ኣቦይ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ገጹ ጸዊጉ ጠሚትኒ ኣይፈልጥን፣ ክብድል እንከለኹ ፍቕራዊ ዝዀነ ኣባታዊ ምኽሪ እናለገሰ መንገዲ እናርኣየ ኣብ ግቡእ መስመረይ ዘትሕዘኒ። ኣቦይ ንእሽቶይ ኢሉ ካብ ሓላፍነት ነጻ ኣይገበረንን። ኣሚኑ እቲ ክገብሮ ዝግባኣኒ ንኽግብር የተባብዕኒ ነበረ። ኣቦይ ከም ወላድየይ ጥራይ ዘይኰነ ከም ዓርኹ ጌሩ ይርኣየኒ ስለ ዝንበረ ካባይ ዝሓብኦ ሚስጢር ፈጺሙ ኣይነበረን። ብሓፈሻ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሃዋህው ዝዓብለሎ ገዛ እየ ዓብየ። እዚ ዝነበረኒ ሓለፋታት ግና በበቑሩብ ሕንቃቐ ከሕድረለይ ጀመረ። ንገዛእ ርእሰይ ድማ ክሳብ መዓስ እየ ጽግዕተኛ ዝኸውን? ሕጂ መንእሰይ ኣኺለ እየ ከምቲ መንእሰይ ዝገብሮ ድማ ክሕጐስን ክሕንድርን እዩ ዝግብኣኒ። ኣነ ዝሰኣንክዎ የብለይን ነፍሰይ ግና ከም ስእንቲ ተዕነኒ ኣላ። እዚ ዘለኽዎ ወርቃዊ ዕድመ ሕጂ ክሕጐሰሉን ክፍስሃሉን እንተ ዘይኪኢለ ዳሕራይ ምስ ኣርግኩ ክጥዐስ ይኽእል እየ። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ሓሳባት ንኣእምሮይ ኣናወጾ፣ ብልበይ ድማ ካብ ገዛይ ክወጽእ ወሰንኩ፣ ኣብዚ ከምዚ ናይ ወጥሪ እዋን ፍቕሪ ኣቦይን ሓልየቱን ይረኣየኒ ግና ሓንሳብ ስለ ዝወሰንኩ ንድሕሪት ክምለስ ኣይደለኹን። ኣብዚ ከምዚ እዋን ብዙሕ ዝን ምባል ስለ ዘብዝሓኩ ኣቦይ እምብዛ ክቐርበኒ ጸገምይ ንምርዳእ ድማ ክሓተኒ ገጹ ከይለወጠ ድማ ክሓቕፈኒ ጀመረ።

ሓንቲ መዓልቲ ድማ ተቢዐ ነቦይ “ኣቦ ኣነ ሓደ ነገር ደልየ ኣለኹ” በልክዎ፣ ኣቦይ ድማ “እንታይ እዩ እዚ ወደይ ኢሉ መለሰለይ፣” እቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ኩሉ ዳሕዳሕክሉ፣ ኣብ ቤት ኣቦይ ናብራ ከም ዝደለኽዎ ከም ዘይኰነ፣ ስለዚ ካብ ዘለዎ ሃብቲ እቲ ንዓይ ከውርሰኒ ዘለዎ ክህበኒ እሞ ርእሰይ ክኽእል በይነይ ኰይነ ናብ ካልእ ዓዲ ክኸይድ ከም ዝደሊ ሓበርክዎ። ኣቦይ ገጹ ብሓንሳብ ተደወነ፣ ስለምንታይ ክብል ድማ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ ምርጫይ እዩ ኢለ መለስክሉ። ኣቦይ ኣብ ፍቓደየ ኣትዩ ክዕምጽጸኒ ኣይደለይን፣ ወደይ ትወስዶ ዘሎኻ ስጉምቲ ሰናይ ኣይኰነን፣ ዘይትሓስበሉ በለንኒ። ኣነ ድማ ሓንሳብ ካብ ልበይ ወሲነ ኣየ፣ ዝገብሮ ዘለኹ እፈልጦ እየ ጥራይ ዝበልኩኻ ሃበኒ በልክዎ። ኣበይ ድማ ካብ ፍቓደይ ኣይወጽአን፣ ዘድልየኒ ሂቡ ኣፋነወኒ። ኣነ ድማ ዝተሓዝ ትሕዝቶይ ሒዘ ናብ ርሑቕ ዓዲ ተበገስኩ። ኣብቲ ዝደለኽዎ ዓዲ ምስ በጻሕኩ ንገዛእ ርእሰይ ከም ሓንቲ ኣብ ዘመን ህይወታ ረኺባቶ ዘይትፈልጥ ኩቡር ዕጫ ዝረኸበት እሞ ዓቢ ክብሪ ከም ዝበጽሓ ጌረ ቖጸርክዋ፣ ነፈሰይ ብሓጐስ ተጨንድሐት። እዋይ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ባርነት ኰን እየ ኔረ? ብምባል ድማ ምስ ገዛእ ርእሰይ ክዛረብ ጀመርኩ።

እታ ኸተማ ካብ ጽባቐኣ ዝተላዕለ ብዙሕ ዝዓይነቱ ባህታ ዝህብ ነገራት እዩ ኔርዋ። ንኹሉ ክፍትኖን ክጥዕሞን ድማ ወሰንኩ። ማእለያ ዘይብሎም ኣዕሩኽ ኣጥረኹ። ሳላ እቲ ቡሩኽ ኣቦይ ገንዘብ ኣይተሳኣነን። ዕንደራን ዳንኬራን ናተይ ኢለ ተታሓሓዝክዎ። ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስመይ እምብዛ ገነነን ዓበየን። ሰባት ብኣይ ክዛረቡ ጀመሩ። እዚ ኣዚዩ ዓቢ ፍናን ወሰኸለይ። ንምድረ ሰማይ ኣይትጹሩኒ ክብላ ጀመርኩ። ብገንዘብ ኩሉ ዝዕደግ ስለ ዝመስለኒ ኣሎ ዝብሃል ንነፍሰይ ሓጐስ ይህባ እዩ ዝበልክዎ ኩሉ ፈተንኩ። ፍትወት ስጋ ንነፈይ ተቖጻጸራ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ኩሉ ኣብ ዝባነይ ተሓንገጠ። ነፍሰይ ብሓጥያት እምብዛ ተፈስሀት። ሰባት ፈትዮምኒ ዘይኰኑስ ንገንዘበይ ክብሉ ክቐርቡኒ ጀመሩ። ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ሰብ እንታይ ይገብር ስለ ዘይፈልጥ ድማ ነዚ ሜላ ኣየስተውዓልክዎን፣ ገንዘበይ ድማ ቀስ ብቐስ ኩሉ ተወደአ። ናብራይ ክልወጥ ጀመረ፣ ተደናገርኩ፣ ግና ፈተወተይ ስለ ዝነበሩ ናብኦም ተጸጋዕኩ። ንቑሩብ ግዜ ምስኦም ምስ ጸናሕኩ ግና ሰብ ርጉም እንድዩ ዝባኖም ሂቦም ከዋርዱኒ ጀመሩ። ከምዛ ስመይ ዘይገነን ኣብ ሓጺር ዓመታት ስመይ ክብለል ጀመረ። ታሪኽ ዘይብለይ ሰብ ኰንኩ። ኩሉ ክንዕቐኒ ጀመረ። ሕሉፍ ሓሊፈ ነዛ ዝበለዓ ቁራጽ እንጌራ እኳ ሰኣንኩ። ስራሕ ክደሊ ጀመርኩ፣ ግና መን ከእትወኒ? ኣብ መጨረሻ ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕ ረኸብኩ ግና ስራሕ ዘይኰነስ ውርደት እዩ። ነፍሰይ እምብዛ ተመረረት፣ ብገዛእ ኣእዳወይ ንህይወተይ ከጥፍእ ተደናደንኩ። ምንባረይ ኣጽልኣኒ፣ ልበይ ብጣዕሳ መልኣ ኣብ ቤት ኣቦይ ዝነበርኒ ሕንቃቐ ኩሉ ተዘከርኒ። ፍቕሪ ኣቦይን ሓልዮቱን ኣበይ ክረኽቦ ሕጂ? ንብዓት መዓልታዊ ቀለበይ ኰይኑ ዝገበሮን ዝሕዞን ጠፋኣኒ። ካብ ቤተ ኣቦይ ኮብሊለ ምውጽኣይ ድማ እምብዛ ኣጣዐሰኒ። ኣበሳ ከም ዝገበርኩ ድማ ተረደኣኒ። ናብ ቤት ኣቦይ ክምለስ ይደሊ እሞ ግና ኣቦይ ንዓይ ንዘራዊ ገንዘብ ከመይ ጌሩ ክቕበለኒ? እናበልኩ ነግ ፈርረ እብል። ሕልናይ እውን ንስኻ ገበነኛ እናበለ ኣሳቐየኒ። ካብ ኩቱር ጭንቀት ዝተላዕለ ገጸየ ብማድያት ተደወነ። ዝረኣየኒ ኩሉ ጋገየኒ። ከምታ ቤታ ሓዲጋ ዝኾብለለት ርግቢ ኰንኩ። ኣብ መወዳታ ብልበይ ክምለስ ኣሎኒ እንተ ተቐበለኒ ሰናይ እንተ ዘይኰነ ኣብ ብርኩ ተደፍኣየ ከምቶም ሰራሕተኛታት ገዛና ዀይነ ክቑጽር ክልምኖ እየ፣ ብምባል ናይ መጨረሻ ውሳኔ በጻሕኩ። ንውሳኔይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ብዙሕ ገድሊ ተጋደልኩ። እቲ እንኰ ናይ መጨረሻ ውሳኔ ቅድሚ ሞተይ ክገብሮ ዘሎኒ ናብ ቤት እቲ ፈቃር ኣቦይ ክምለስ ኣሎኒ ኢለ ንዝወሰንክዎ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኣእጋረይ ናብ ቤተ ኣቦይ ኣቕናዕኩ። ካብ ቤት ኣቦይ መሊኣ እየ ወጺኤ ሕጂ ግና ጥራሕ ኢደይ እምለስ ኣለኹ። ካብ ቤት ኣቦይ ምስ ግርማይ እየ ወጺኣ ሕጅ ግና ሞጐሰይ ተቐንጢጡ እምለስ ኣለኹ። ምስ ገዛእ ርእሰይ እናተማጐትኩ ከይተፈለጠኒ ኣብ ጥቓ ገዛና ቐረብኩ። ብማዕዶ ኣቦይ ዝን ኢሉ ከምዚ ገለ ነገር ዝጽበ ዘሎ ኣማዕድዩ ይጥመት ነበረ። ኣቦይ ካብ ልቡ ከም ዘየውጻኒ እዚ ምልክት ኰነኒ። ኣቦይ ብማዕዶ ምስ ረኣየኒ እናሳሓቐ እናዘለለ ናባይ ክመጽእ ረኣኽዎ። ንብዓተይ ኣውያተይ ምቁጽጻር ሰንኩ፣ መጺኡ ምስ ጽያፈይ ሓቝፉ ሰዓመኒ። ምእማን ሰኣንኩ ኣብ እግሩ ተደፍየ ምሕረት ሓትትኩ፣ ከም ወዱ ዘይኰነ ከም ሓደ ተራ ሰራሕተኛ ክርእየኒ ተማሕጸንክዎ። ኣቦይ ካብ ተደፊአሉ ዘለኹ ኣተንሲኢ ሓድሽ ክዳን ክገብሩለይ ኪዳን ምስ ኣቦይ ከሕድስ ቀለበት ክገብሩለይ ኣዘዘ። ናብ ገዛና ብምምጽኣይ ዓቢ ሓጐስ ኰነ። ዋላ እኳ ሓወይን ብዙሓት ነዚ ከምዚ ዝገበረ ከምዚ ከመይ ኢሉ ይግበረሉ እንተበሉ ኣቦይ ግና ኣፍቂሩኒ፣ ታሪኸይ ኩሉ ለዊጥዎ። ኣነ ድማ ደጊም ካብ ቤት ኣቦይ ምውጻእ መዘዙ ዓቢ ምዃኑ ተረዲኤ ንዘኣለም ኣብ ቤት ኣቦይ ክነብር ወሰንኩ።

ኩቡራት ኣሕዋተይ እዚ ብሓውሲ ዛናታ ጌረ ዘቕረብክሉክም ታሪኽ ካብ ሉቃስ 16 ብዛዕባ እቲ ጥፍኡ ወዲ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ምስላ እዩ። ክርዳእና ኢለ ድማ ብኸምዚ ከነንብቦ ዝጸናሕና ዛንታ ኣቕሪበዮ ኣለኹ። እዚ ኣብ ታሪኽ ዝረኣናዮ ጥፍኡ ወዲ ዝምህረና ዓቢ ቁም ነገር ኣሎ። ዘማራይ ዳዊት ክዝምር ከሎ “ካብ ሽሕ ዓመት ኣብ ቤት ረሲኣን ሓንቲ መዓልቲ ሓላዊ ቤትካ ምኳን ይሕሸኒ።" ይብል። እዚ መንእሰይ ግና ኣብ ቤት ኣቡእ ንምንባር ኣይፈተወን፣ ሎሚ ካብ ቤት ኣምላኽ፣ ካብ ሕቑፊ የሱስ ከውጻና ዝደሊ ነገር ኣሎ ዶ? ዓለም እንትርፎ መርገም ከም ቤት ኣምላኽና በረኽትን ብጽእናን የብላን። ብዙሕ ግዜ ካብ ቤት ኣምላኽ ብሓንሳብ ኣይኰነን ሰይጣን ከውጻና ዝደሊ እንታይ ደኣ በበቑሩብ እናገበረ እዩ ካብ ኣምላኽ ከዝብለና ዝጋደል። ኣተኩረና ኩሉ ካብቲ ስቑል ክርስቶስ ኣሊና ዱንኳውንትና ኣብዛ ምድሪ ክንተክል እንተ ጀሚርና ኣብ መጻወድያኡ ከእትወና ቐሊል እዩ። ስለዚ ሓለፋ ቤት ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ፈጺሙ የሎን። ዘሎ እንተ መሲሉና ግና ተታሊልና ኣሎና። ከምቲ ኣሳፍ ካብ ቤት ኣምላኽ ወጺኡ ናብ ረሲኢነት ምስ ጠመተ እሞ ከም ዝዓሸወ ተረዲእዎ ምስ ተመልሰ ዝበሎ ንበል፣ “ንዓኻ ኣብ ሰማይ ካብረኽብኩ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን ከውሒ ርስተይን ዕጻይን ንዘልኣለም ንስኻ ኢኻ”

ብዝተፈላላየ ድካምን ውድቀትን ካብቲ ፈቃር ኣምላኽ ተበጃዊ የሱስ ወጺእና ክንህሉ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ከምዚ እዋን እዚ እቲ ማዕጾ ኣምላኽ ኩፉት እምበር ዕጽው ኣይኰነን። ከመይሲ "ዝወደቐስ ኣይትንስእንዶ? ዝተጋገየኸ ኣይምለስንዶ?" ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ። ምሕረት ኣምላኽ ዘልኣለማዊ እዩ፣ ንኽንምለስ ምሉእ ዕድል ኣሎና። ሃዋርያ ጳሎውሎስ ኣብ ሮሜ ክጽሕፍ ከሎ “ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ ናብ ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩ፡ እዩ ዚብል።” ብምባል ኢድ ኣምላኽ ንምሕረት ኩሉ እዋን ዝርግሕቲ ምኻና ይዛረብ። ሰብ ነቲ ዝበደሎ ሰብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ልቡ ክዓጽወሉ ይኽእል እዩ ኣምላኽ ግና ከም ሰብ ኣይኰነን ብምሕረት ምሉእ ብዓል ዓቢ ሳህሊ እዩ። ንሱ ከምዚ ጌርካ ወይ ከምዚ ወሲካ ኢሉ ኣይጸባጸብን እንታይ ድኣ ንምምላስካ ወትሩ ልቡ ምስ ከፈተልካ ኣእዳው ድማ ምስ ዘርገሐ እዩ።

ካብቲ ጥፍኡ ወዲ እንምሃሮ ሰለስተ ናይ ምምላስ መንገዲ ኣሎ፣ እታ ቐዳመይቲ ጣዕሳ እያ። እዚ ካብ ቤት ኣብኡ ዀብሊሉ ዝወጸ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ዓለማውነት ምስ ጠሓለ ብሓጥያት ድማ ምስ ተጨማለቐ ዝነበሮ ናይ ቤት ኣብኡ ህይወት ብምውድዳር ኣብ ከቢድ ጣዕሳ እዩ ኣትዩ። ጣዕሳ እቲ ፈለማ ጸራጊ መንገዲ እዩ። ካብ ቤት ኣምላኽ ወጺና ኣብ ሓጥያት ምጭምላቕና፣ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዝባና ሂብና ምኻድና ኣብ ውሽጥና ኩቱር ጣዕሳ ክፈጥር ኣለዎ። ብዙሕ እዋን ካብ ቤት ኣምላኽ ምውጻና ኩቱር ጣዕሳ ዝስማዓና እዋን ቀሊሊ ኣይኰነን። ግና እቲ ጹቡቕ ዘይኰነ ነገር ወትሩ ኣብ ጣዕሳ ክነብር ከሎና እዩ። ምጥዓሳና ሰናይና እቲ ፈለማ መንገዲ ናብ ምምላስ እኳ እንተ ዀነ ኣብኡ ጥራይ ክነብር ግና ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን። ሰይጣን ንጣዕሳና ብሕልናዊ ወቐሳና ብዘይትቐባልነት ስለ ዝደፍኖ ወትሩ ኣብ ኩቱር ጭንቀት ጥራይ እዩ ዘውድቐና። ክንዮ ጣዕሳ ክንከይድ ኣሎና። ጣዕሳና ናብ ካልእ ውሳኔ ከሰጋግረና ኣለዎ። እቲ ጥፍኡ ወዲ ድሕሪ ጣዕሳ ዝገበሮ ነገር እንተ ኔሩ ናብ ቤት ኣብኡ ክምለስ ምውሳኑ እዩ። ጣዕሳ ብዘይ ውሳኔ ትርጉም የብሉን፣ ዝዀነ ኣብ ድኻምን ውድቀትን ዘሎ ሰብ ነዚ ከስተውዕል ኣለዎ። ኣምላኽ ይድግፍን ይረድእን እዩ ነዚ እዩ ኣብ ኢሳይያስ 40፣29 “ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።” ይብል። ኩሉ ግዜ ተጣዒስና ክንውስን እንከሎና እዩ ናብ ኣምላኽ ንምምላስ ቀረባ ንኸውን፣ ኣምላኽ ድማ ይድግፈና። ውሳኔን ካብ ውሽጢ ዝመንጨወ እንተ ዀይኑ ኣምላኽ ይሰምሮ እዩ።

ብዙሕ እዋን ተጣዒስና ንውስን በቃ ሕጂ ናይ መጨረሻ እያ ንብል። ግና ንውሳኔና ብግብሪ ስለ ዘይነሰንዮ ኣብ ጣዕሳን ውሳኔን ንነብር። እቲ ጥፍኡ ወዲ ዝገበሮ ሳልሳይ ንጣዕሱእ ብውሳኔኡ ንውሳኒኡ ድም ብግብሪ ኣሰንይዎ ናብቲ ፈቃር ኣባኡ ተመልሰ። ካብ ናይ ቀደም ብዝበለጸ ክብሪ ድማ ኣኽብሮት። ሎሚ ብስንኪ ካብ የሱስ ምርሓቕና ተጣዒስና ንኽንምለስ ወሲና ንኸውን። ግና ሰብ እንታይ ክብለኒ? ኣሓዋት ከመይ ጌሮም ክቕበሉኒ? ኣነ እኳ ከምዚ እየ ኔረ፣ ሕጂ ኸኣ ከምዚ ኰይነ ኣለኹ፣ እናበልና ነእምሮና ዕጽው ኣይነብሎ። እዚ ውዲት ሰይጣን እዩ። ነቲ ጥፍኡ ወዲ ሓዉ እኳ ምምልሱ ኣየሐጎሶን። እዚ መንእሰይ እዚ ግና ኣቡኡ ክቕበሎ እምበር ሓዉ ክቐበሎ ኣይኰነን ብጣዕሳን ውሳኔን ብግብርን ዝተመልሰ። ጌጋ እኳ እንተኾነ፣ ሰባት ብምምላስካ ከይሕጐሱ ይኽእሉ እዮም። ኣቦኻ የሱስ ግና ብምምላስካ ባህ ይብሎ እዩ። ሰባት ከምቲ መጀመርያ ምስኦም ከሎኻ ዝቕበልኻ ዝነበሩ ኣቀባብላ ኣይቅበሉኻን ይኾኑ፣ ኣምላኽ ግና ከም ዘሎኻዮ ኣዩ ዝቕበለካ። ንሱ እንተ ተቐቢልካ እቲ ወቓስን ከሳስን ሓውኻ እውን ከይፈተወ ክቕበለካ እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ምሳሌ 28፣13 “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።” ብምባል ናይ ጣዕሳን ምሕዳግን በርኸት ክሳብ ክንደይ ምኻኡ ይነግረና።

እንበኣር ሎሚ ኣብ ዝሃሎኻ ዓዘቕቲ ሓጥያትን ውድቀትን ሃሉ ኣምላኽ ክቕበለካ፣ ታሪኻ ክልውጦ ከም ዝክእል እመን። ኣብ ሆሴእ 6፣6 “ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።” ይብል ሎሚ ቡሩኽ ሓወይ ብርኽቲ ሓፍተይ ኣበሳኹም ክሳብ ክንደይ ይኹን ብዘየገድስ ምሕረት ኣምላኽ ካብዚ ይዓቢ እዩ። ለውሃት ኣምላኽ ካብ ህይወት ይበልጽ ኣዩ። እቲ ኣቦ ንወዱ ክቕበሎ ከሎ ብዛዕባ እቲ ወዱ ዘጥፍኦ ነገራት ኣይተጸባጸቦን፣ ኣይዘከሮን። እንታይ ድኣ ነቲ ኣርጊት ክዳኑ ቐንጢጥሉ ሓድሽ ናይ ክብሪ ኣልባስ ኣልቢሱ ኪዳኑ ምስኡ ሓደሶ። ንሕና ድማ ብተመሳሳሊ ናብ ኣምላኽ እንተ ተመሊስና ካብ ውድቀትና ተንስኢና ንስኻ ትሕሸኒ ኢልና ኣብኡ እንተ ተደፊእና፣ ናይ ዝሓለፈ ነገርና ኩሉ ረሲዒ ካብቲ ዝነበርና ክብሪ ብዕጽፊ እዩ ዘኽብረና። ቃሉ ኣብ መዝሙር 103 “ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” ብምባል ልቢ ኣምላኽ ብጐይትና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንዓና ክሳብ ክንደይ ድልዊ ምኵኑ ይነግረና፣ ሎሚ ናብ ኣምላኽ ንኸይንምለስ ዝዀነ ዓይነት ምክንያት የብልናን።

ሕጂ ግዜ ኣሎና። ብሕልና ወቐሳ እንደኽመሉን ኣብ ልዕሊ ሓጥያትና ኣበሳ እንፍጽመሉን ሰዓት ዘይኰነስ ናብ ኣምላኽ ብጣዕሳ ተመሊኢን ወሲና ንውሳኔና ብግብሪ ኣጽኒዕና ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ይግብኣና። ንሱ ንዝምለስዎ ይምለሶም ኣዩ። ቃሉ እው እንተ ተመለስካ ናባይ ደኣ ተመለስ፣ እዩ ዝብል። ብዘይገደስ ኣብ ከምይ ውድቀትን ኣበሳን ሃልዉ፣ ተመሊሱ ዝሓቁፍ ሓቓፊ ከም ዘሎ ዘክሩ። ኣንተ ደኣ ናብ ኣምላኽ ክትምለሱ ፍቓደኛታት ኰንኩም ብልብኹም "ጐይታይ ይምለሰካ ኣለኹ" በልዎ። ንሱ ንድኻምኩም ብሓይሊ ንምሕላልኩም ብተስፍ፣ ንኣበሳኩም ብምሕረትን ደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክኣልዮ ከሎ ክትርእዩ ኢኹም። ክዳን ርክሰት ኣውጺኡ ልብሲ ቅድስና ከልብስኩም እዩ። ቀለበት ሓጥያት ኣልግሲ ኪዳን ጽድቂ ክገብረልኩም ኣዩ። እሞ ናብ ኣምላኽ ምምላሶዶ ኣይሕሸናን። ከምይሲ “ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቚመኩም ዚከኣሎ፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዂሉ ዘመናትን ሕጅን ንዂሉ ዘለኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።”

1 comments

ኣሚን
Other Article