ዓርቢ ስቕለት [Sunday 16th Jun 2024]

Posted on 2024-06-16 · 708 · 0 · 0

122 resources uploaded

ንሳቶም ግና፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ። (ሉቃ.23:21)

እዚ እዋን እዚ እዋን ዓርቢ ስቕለትን ስዒቡ ድማ ፋሲካን እዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ነዚ እዋን ኣውደኣመት ብዝተፈላለየ መገዲ እዮም ዘኽብርዎ። እቲ ግቡእ ትርጉሙ ተረዲእዎ ዘኽብር ሰብ ግና እተዓደለ እዩ። ኣነ ምልስ ኢለ ነቲ ቅድሚ ኣስታት 2000 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዓለምና እተፈጸመ ታሪኽ፡ ንደቂ ሰባት ድማ ነጥበ-መቐይሮ ዝኾነ ፍጻመ ክሓስብ ጀመርኩ። ኣብ ከተማ የሩሳሌም ዋዕላ ተኣኪቦም ንየሱስ ክፈርድዎ ከለዉ ተራእየኒ። ኣብ ሞንጎ እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ንርእሰይ ደለኽዎ። ‘ኣነስ መኖም እየ?’ ኢለ ድማ ሓተትኩ። ካብቶም ተዓዘብቲ ድየ ወይስ ካብቶም ክሕዝዎ ኢሎም ናብቲ ኣታኽልቲ ቦታ ዝኸዱ ጭፍራ እየ? ካብቶም 'ስቐሎ!...ስቐሎ!' እናበሉ ዝጨደሩ ድየ ወይስ ካብቶም 'ነዚ ሰብኣይ ብፍጹም ኣይፈልጦን እየ' ዝበሉ?

ኣብ ሞንጎ እቶም እኩባት ሰባት ኣነ መኖም ከም ዝነበርኩ ከለሊ ጊዜ ኣይወሰደለይን። እቲ ብሰንኪ እከይ ተግባሩን ኣበሳኡን ንመዓልቲ ስቅላቱ ዝጽበ ዝነበረ ባርባን እየ ኔር። ኣብቲ ግዳም ጫውጫውታ ምስ ሰማዕኩ እታ ናይ ፍርዲ መዓልት መጸት እናበልኩ ከለኹ ብድንገት ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ማዕጾ ተኸፊቱ ‘ንዓ ውጻእ ሞትካ ዝሞተልካ ሰብ ተረኺቡ እዩሞ ሓራ ኢኻ።’ እተባህለሉ ሰብ እየ። እቲ ኣበሳ ዘይፈልጥ፡ በደል ድማ ዘይነበሮ ስለይ ኣብ መስከል ተሰቕለ። ኣነ ህይወትን ህይወት ምስ ተረፉን ክረክብ ንሱ ኣብ ክንዳይ ሞተ። ስለዚ ድማ መዓልቲ ስቕለት ንዓይ ካብ ሞት ናብ ህይወት እተሳገርኩላ መዓልቲ ምዃና እናተረዳእኩ እየ ዘብዕላ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ግና ብበደለይን ብሓጢኣተይን ኣብ ትሕቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝነበርኩ ስለቲ ዘፍቀርካኒ ዓባይ ፍቕሪ ብሞት ወድኻ ህይወት ስለ ዝሃብካኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ነዛ ዝሃብካኒ ህይወት ድማ ንኽብርኻ ክነብር ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments