Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

rape


ዘዳግም 22:25-28 | 14 Helpful votes

ግናኸ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ደቀሳ፡ ሽዑ እቲ ዝደቀሳ ሰብኣይ በይኑ ይሙትነታ ጓል ግና ገለ ኣይትግበራእዚ ሰብኣይ ንብጻዩ ተንሲኡ ኸም ዚቐተሎ እዩ እሞ፡ እታ ጓልሲ ንሞት ዚኸውን በደል የብላን። ኣብ  መሮር እዩ ዝረኽባ እምበር፡ ንሳ፡ እታ ሕጽይቲ ጓልሲኣእውያዜድሕና ግና ኣይነበረን። ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሐጽየት ድንግል ጓል እንተ ረከበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸኣ፡

Translation | Context
ዘዳግም 22:28-29 | 13 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሐጽየት ድንግል ጓል እንተ ረከበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸኣ፡ እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ነቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትዅንብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን

Translation | Context
መዝሙር 82:3 | 6 Helpful votes

ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎምንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።

Translation | Context
መዝሙር 9:9 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 13:12-14 | 4 Helpful votes

ንዳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሓወየኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ። ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ፡ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ። ንሱ ግና ዘረባአ ኺሰምዕ ኣይፈተወን፡ ኣብአ ሐይሉስ ዐመጻ፡ ምስአ ድማ ደቀሰ።

Translation | Context
ዘዳግም 22:23-24 | 4 Helpful votes

ኣብ ሰብኣይ እተሐጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ እታ ጓልኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየትእቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩምኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ

Translation | Context
ኢሳይያስ 10:1-2 | 3 Helpful votes

እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎምንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎምንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም

Translation | Context
ኣንባቆም 1:3 | 3 Helpful votes

ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስካስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:11 | 3 Helpful votes

ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት

Translation | Context
ዘዳግም 21:10-14 | 3 Helpful votes

ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ ምስ ሀበካ፡ ምስ ማረኽካዮምውን፡ ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዔኛ ሰበይቲ እንተ ርኤኻ እሞ ፈቲኻያ ሰበይትካ ኽትገብራ እንተ ደሌኻ፡ ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣእትዋርእሳ ኸኣ ትላጺጽፍራውን ትቚረጽ። ነቲ ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳና ድማ ትደርብዩኣብ ቤትካ ትንበር፡ ነቦኣን ነዲኣን ከኣ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎምድሕርዚ ኣእትዋ እሞ ሰብኣያ ኹን ንሳ ድማ ሰበይትኻ ትኹን። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ባህ እንተ ዘይበለትካ፡ ሽዑ ናብ ዝደለየቶ ትኺድ ሕደጋ። ንገንዘብ ግና ከቶ ኣይትሽጣኣዋሪድካያ ኢኻ እሞ፡ ከም ባርያ ኣይትግበራ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 3 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
መክብብ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘብለ ግፍዒ ተመልክትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎምውን ኣይነበሮምን፡ ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ፡ ኣጆኹም፡ ዚብሎም ከአ ኣይነበሮምን።

Translation | Context
ኣሞጽ 5:12 | 2 Helpful votes

ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉደርሆ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ አሎኹም።

Translation | Context
መዝሙር 72:4 | 2 Helpful votes

ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎምንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:25 | 2 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:6 | 2 Helpful votes

እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧

Translation | Context
ሉቃስ 4:18-19 | 2 Helpful votes

ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒመንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:17 | 2 Helpful votes

ምግባር ሰናይ ተመሀሩቅንዕና ድለዩንጥቑዕ ርድእዎንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ

Translation | Context
ኤፌሶን 5:28-29 | 2 Helpful votes

ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ።

Translation | Context
ሮሜ 13:8-10 | 2 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙኣይትቕተልኣይትስረቕብሓሶት ኣይትመስክርኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:39 | 2 Helpful votes

እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ።

Translation | Context