Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

racism


ዮሃንስ 7:24 | 17 Helpful votes

ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ነህምያ 13:3 | 10 Helpful votes

ኮነ ድማ፡ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ፡ ጓና ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ

Translation | Context
ሮሜ 10:12 | 9 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:9 | 7 Helpful votes

ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብልንሓዉ ኸኣ ዚጸልእክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ

Translation | Context
ያእቆብ 2:9 | 6 Helpful votes

እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም

Translation | Context
ሮሜ 2:11 | 5 Helpful votes

ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን

Translation | Context
ዮሃንስ 13:34 | 4 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 7:9 | 4 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ ርኤኹእንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖምጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 16:7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ

Translation | Context
ማቴዎስ 15:22-28 | 3 Helpful votes

እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸትእናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊትንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት። ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦምድድሕሬና ትጠርዕ አላ እሞ ኣፋንዋኢሎም ለመንዎ። ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። ንሳ ግና፡ ጐይታይርድኣኒእናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። ሽዑ የሱስኣቲ ሰበይቲእምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:12-13 | 3 Helpful votes

ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያንባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34-35 | 3 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ

Translation | Context
ነህምያ 13:23-30 | 3 Helpful votes

በተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያንዓሞናውያንሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ። እቶም ደቆም ከአ ፈረቓኦም ብዘረባ እሽዳድ ወይስ ናይ ዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ። ተቐጢዔ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከአ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም። በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዚዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸኣ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ። እዚ ዅሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዝዝ ኢና። ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳዕወዲ ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሳንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገበረ። ስለዚ ኸኣ ካባይ ሰጎጉክዎክህነትን ኪዳን ክህነትን ሌዋውያንን ስለ ዘርከሱ፡ ዎ ኣምላኸይዘክሮም። በዚ ኸምዚ ኻብ ኵሉ ጋሻ ነገር ኣጽሬኽዎም። ነቲ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስራሑ ብምትሓዝ ኣቖምክዎ

Translation | Context
ቈሎሴ 3:10-11 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩምከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩምንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውንግዝረትን ዘይግዝረትንባርባርን ስኪትንባርያን ጭዋን የልቦን

Translation | Context
ማቴዎስ 10:5-6 | 3 Helpful votes

የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞምናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:12 | 2 Helpful votes

እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:14-15 | 2 Helpful votes

ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥርነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓትብስጋኡ ስዒሩ

Translation | Context
ይሁዳ 1:19 | 2 Helpful votes

እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡመንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም።

Translation | Context