1. ኣቲ ሓለፋ ዂለን ኣንስቲ እትጽብቒፈታዊኺ ናበይ ከይዱ እዩ፧ ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ እዩ ዝኸደ

2. ፍትወይሲ ናብ ገነቱ፡ ኪጓስን ዕምባባታት ሹሻን ኪእክብን፡ ናብ ገነቱ፡ ናብ ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም ወሪዱ አሎ።

3. ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ፍትወይ ከኣ ናተይ እዩ፡ ንሱ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ይጓሲ አሎ።

4. ኣቲ ፍትውተየ፡ ከም ቲርጻ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ከም የሩሳሌም ባህ እተብሊ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ ተፍርሂ ኢኺ።

5. ኣዒንትኺ ኣፍሪሄናኒ እየን እሞ፡ ንንየው ምለስየንጸጒሪ ርእሰኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።

6. ኣስናንኪ ኸም ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኲለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ።

7. መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጒልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።

8. ንግስታት ስሳዕቁባት ሰማንያ፡ ኣዋልድ ከኣ ቊጽሪ ዜብለን እየን።

9. ግናኸ ርግበይፍጽምተይሲሓንቲ እያ፡ ነዲኣ ሓንቲ እያ፡ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ፡ ኣዋልድ ርእየን ብጽእቲ በልኣ፡ ንግስታትን ዕቁባትን ድማ ነኣድኣ

10. እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል፡ ከም ወርሒ ጽብቕቲ፡ ከም ጸሓይ ድምቕቲ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን እያ፧

11. ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፡ ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑሮማንውን እንተ ዐምቢቡ ኽርኢ፡ ናብ ኣታኽልቲ ኻዕካዕ ወረድኩ

12. ከይፈለጥኩስነፍሰይ ኣብ ሰረገላ እቲ ኽቡር ህዝበይ ኣቐመጠትኒ