1. ብለይቲ ኣብ ዓራተይ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደሌኽዎ፡ ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን

2. ክትንስእ እየ እሞ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸኣ ክደልዮ እየ። ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን

3. ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ፧ ኢለ ኸኣ ሐተትክዎም።

4. ቅሩብ ምስ ሐለፍክዎም፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎሐዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሐደግክዎን

5. ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌምንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊከይተየንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ።

6. እዛ፡ ዓንዲ ትኪ መሲላ፡ ከርበን ዕጣንን ናይ ነጋዶ ዂሉ ዓይነት ቀመማትን እትጨኑ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ፧

7. እንሆ፡ ዓራት ሰሎሞን፡ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጅግና ኸቢቦምዋ

8. ኲላቶም ሰይፊ ዚሕዙምሁራት ውግእ እዮም። ስለ ፍርሃት ለይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ዕጡቕ እዩ።

9. ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኦም ሊባኖስ ንርእሱ ዓራት መሰከሚ ገበረ

10. ኣዕኑዱ ብብሩርመጻግዒኡ ብወርቂመቐመጢኡ ብቐይሕ ሃሪ ገበረውሽጡ ኸኣ ኣዋልድ የሩሳሌም ብፍቕሩ ዝጠለፋኡ እዩ።

11. ኣትን ኣዋልድ ጽዮንንንጉስ ሰሎሞን ምስቲ ኣዲኡ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጐስ ልቡን ዝኸለለቶ ኣኽሊል ክትርእያኦስ ውጻ