1. ብለይቲ ኣብ ዓራተይ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደሌኽዎ፡ ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።
2. ክትንስእ እየ እሞ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸኣ ክደልዮ እየ። ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።
3. ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ፧ ኢለ ኸኣ ሐተትክዎም።
4. ቅሩብ ምስ ሐለፍክዎም፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፡ ሐዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሐደግክዎን።
5. ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተየንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ።
6. እዛ፡ ዓንዲ ትኪ መሲላ፡ ከርበን ዕጣንን ናይ ነጋዶ ዂሉ ዓይነት ቀመማትን እትጨኑ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ፧
7. እንሆ፡ ዓራት ሰሎሞን፡ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጅግና ኸቢቦምዋ።
8. ኲላቶም ሰይፊ ዚሕዙ፡ ምሁራት ውግእ እዮም። ስለ ፍርሃት ለይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ዕጡቕ እዩ።
9. ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኦም ሊባኖስ ንርእሱ ዓራት መሰከሚ ገበረ።
10. ኣዕኑዱ ብብሩር፡ መጻግዒኡ ብወርቂ፡ መቐመጢኡ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ። ውሽጡ ኸኣ ኣዋልድ የሩሳሌም ብፍቕሩ ዝጠለፋኡ እዩ።
11. ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ምስቲ ኣዲኡ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጐስ ልቡን ዝኸለለቶ ኣኽሊል ክትርእያኦስ ውጻ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...