1. ሓብተይመርዓተየ፡ ናብ ገነተይ መጺኤከርበይን ምኡዝ ቀመማተይን ቀንጢበመዓር ወለላይን መዓረይን በሊዔወይነይን ጸባይን ሰትየ። ኣቱም ኣዕሩኸይብልዑስተዩፍትዋተየኣብዚሕኩም ስተዩ።

2. ኣነ ደቀስኩልበይ ግና ነቕሔድምጺ ፍትወይ፡ ኣቲ ሓብተይፍትውተይርእሰይ ህቦ፡ ጐተናይ ከኣ ነጥቢ ለይቲ መሊኡ እዩ እሞ፡ እቲ ርግበይፍጽምተይክፈትለይ፡ እናበለ፡ ማዕጾ ኪዂሕኲሕ ሰማዕኩ።

3. ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኽደኖኣእጋረይ ተሐጺበ እየ፡ ከመይ ኢለ ኸርስሖ፧

4. ፍትወይ ኢዱ ብነዃል ሰደደውሽጠይ ብእኡ ተደፋነቐ።

5. ንፍትወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩኣእዳወይ ከርበኣጻብዔይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መትሓዝ መሃርሃሪ ፈሳሲ ኸርበ ኣንጠብጠበ

6. ንፍትወይ ከፈትኩሉፍትወይ ግና ከይዱ ረሐቐኪዛረብ ከሎ፡ ነፍሰይ ጠለመትኒደሌኽዎ ኣይረኸብክዎን ከኣ፡ ጸዋዕክዎ ኣይመለሰለይን ድማ።

7. ሓለውቲ ኣብ ከተማ ኺዞሩ ኸለው ረኸቡኒውቕዑኒኣቚሰሉኒሓለውቲ መካበብያ መጐልበብየይ ገፈፉኒ

8. ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍትወይ እንተ ረኸብክናኦብፍቕሪ ኸም ዝሐመምኩ ክትነግራኦ ኤምሕለክን አሎኹ።

9. ኣቲ ሓለፋ ዂለን ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከምይ ኢሉ እዩ፧ ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊዶ ይበልጽ እዩ፧

10. ፍትወይሲ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ጻዕዳን ቀይሕን እዩ።

11. ርእሱ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ እዩ፡ ጐተናኡ ዀርዳድ፡ ከም ኳዂ ዝምጽላሙ እዩ።

12. ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ ርግብታትጸባ ተሐጺበን፡ ኣብ ምልኣት ተነቢረን እየን።

13. ጒንጭታቱ ኸም ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም፡ ከም ምኡዝ ኣትክልቲ እዩ፡ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕንባባ ሹወን እየን።

14. ኣእዳው ክሪሶሊት እተሰንቀሮ ቐላብቲ ወርቂ እየን፡ ደረቱ ብሰፊሮስ እተሰለመ፡ ብልሓተኛ ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።

15. ኣእጋሩ ብደገፍ ጽሩይ ወርቂ እተሰረታ ኣዕኑድ እምነ በረድ እየን፡ ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ኣእዋም ሊባኖስ እተመርጸ እዩ።

16. ኣፉ ኣዝዩ ጥዑም፡ ኲለንትናኡ ፍትዊ እዩ። ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌምፍትወይ እዚ እዩ፡ ፈታውየይሲ እዚ እዩ።