1-2. ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ አሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል አሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ።

3. ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ

4. ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ።

5. ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን

6. ግናኸ እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ ዂላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን እሞ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን

7. ዘርኢ ብይስሃቅ ኪስመየልካ እዩ እምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ፡ ኲላቶም ውሉድ ኣይኰኑን።

8. ማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዚቚጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን

9. እቲ ቓል ተስፋ፡ ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፡ ሳራውን ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡

10. እዚ ጥራይ ኣይኰነንርብቃውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ምስ ጠነሰት፡ ከምኡ ዀነ።

11-13. ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ

14. እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ አሎ፧ ያእ የልቦን

15. ንሙሴንዝምሕሮ ኽምሕሮንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ፡ ኢልዎ እዩ እሞ፡

16. ስለዚ ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዚደልን ዚጐይን ኣይኰነን

17. እቲ ጽሑፍ ንፈርኦንሓይለይ ኣባኻ ኸርኢስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ኺውረነዚ እየ ዘተንሳእኩኻይብሎ እዩ እሞ፡

18. እምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ።

19. ደጊም ንምንታይ ደኣ ሕጂኸ ዚገንሕ፧ ነቲ ፍቓዱ መን ይቃወሞክትብለኒ ኢኻ።

20. ወይ ጋዶኣታ ሰብንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒይብሎ እዩ፧

21. ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧

22. ኣምላኽከ ቚጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቚጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡

23. እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም

24. ንኣናውን፡ ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር፡ ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና

25-26. ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዚብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምንእተባሃለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዚብሃሉኪኸውን እዩ።

27-28. እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቚሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን፡ ኢሉ ይጭድር

29. ከምቲ ኢሳይያስውን ኣቐዲሙ፡ እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሐደገልናስከም ሶዶም ምዀንና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና፡ ዝበሎ እዩ።

30. ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ።

31. እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ሕጊ ጽድቂ ኣበጽሑን

32-33. ስለምንታይከመዮእንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር። ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎብእምኒ መዓንቀፊ ተዓንቀፉ