1. ንፌቤን ሓብትናእታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም አሎኹ።

2. ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ

3. ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይጵርስኪላን ኣኪላስንሰላም በሉ።

4. ንሳቶም ኣብ ክንዲ ህይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግናኦም እምበር ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ።

5. ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ።

6. ነታ ንኣኻትኩም ብዙሕ ዝጸዓረት ማርያም ሰላም በሉ።

7. ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣትቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ።

8. ንኣምጵልያስ ብጐይታ ፍቁረይ ሰላም በሉ።

9. ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ።

10. ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሌስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ።

11. ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉ። ነቶም ብጐይታ ዘለዉ ኻብ ስድራ ቤት ናርቂሶስ ሰላም በሉ።

12. ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዓርት ጳርሲስ ፍቅርቲ ሰላም በሉ።

13. ነቲ ብጐይታ እተሐርየ ሩፎስን ነዲኡን ኣደይን ሰላም በሉ።

14. ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ።

15. ንፊሎሎጎስን ንዩልያን ንኔርዮስን ንሓብቱን ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉ።

16. ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።

17-18. ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ

19. ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ አሎኹ። ንሰናይ ብልህታትንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑእደሊ አሎኹ።

20. ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

21. ጢሞቴዋስ፡ እቲ መዓይይተይ፡ ሰላም ይብለኩም አሎ። ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ ሰላም ይብሉኹም አለዉ።

22. ኣነ ጠርጥዮስነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሐፍኩብጐይታ ሰላም እብለኩም አሎኹ።

23. እቲ ንኣይን ነታ ማሕበር ኲላን ግሽነት ዚቕበል ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም አሎ። ኤራስጦስ፡ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማን ቁኣርጦስ ሓዉናን ሰላም ይብልኹም አለዉ።

24-25. ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡

26. ነቲ በይኑ ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

27. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን

Chap 15