1. እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧

2. ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ።

3. ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧

4. ያእ ኣይፋሉንከምቲብቓላትካ ኽትጸድቕምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ።

5. እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዜርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበልኣምላኽ ቊጥዓኡ ምስ ዜውርድሲዓማጺ ድዩ፧ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ አሎኹ።

6. ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ

7. እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ

8. ከመይ ደኣ ኸምቲ ዚጸርፉናን ገሊኦምውን ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ ኽፉእ ንግበርከም እንብል ዚብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ።

9. እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ አሎና፧ ሓንቲ እኳኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያንኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና አሎና።

10. ከምኡውን ተጽሒፉ አሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን

11. ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን

12. ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን

13. ጐረሮ ኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ አሎ።

14. ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ።

15. ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ።

16. ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን አሎ

17. ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም።

18. ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን

19. ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚዛረቦምንፈልጥ ኢና።

20. ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን

21. ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ተገልጸ

22. ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚአምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡

23. ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም

24. በቲ ብየሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።

25. ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ

26. ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።

27. ምሕባን ደኣ ኣበይ አሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ።

28. ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጽጸድቕንብል አሎና።

29-30. ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነትንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለ ዝዀነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ።

31. እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ አሎና፡ ያእ ኣይፋልናንንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ አሎና።