1. እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧
2. ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ።
3. ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧
4. ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ።
5. እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዜርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቊጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ አሎኹ።
6. ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ፧
7. እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ፧
8. ከመይ ደኣ ኸምቲ ዚጸርፉናን ገሊኦምውን ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ ኽፉእ ንግበር፡ ከም እንብል ዚብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ።
9. እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ አሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና አሎና።
10. ከምኡውን ተጽሒፉ አሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡
11. ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን።
12. ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን።
13. ጐረሮ ኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ አሎ።
14. ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ።
15. ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ።
16. ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን አሎ፡
17. ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም።
18. ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።
19. ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚዛረቦም፡ ንፈልጥ ኢና።
20. ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን።
21. ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ተገልጸ።
22. ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚአምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡
23. ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።
24. በቲ ብየሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።
25. ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ።
26. ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።
27. ምሕባን ደኣ ኣበይ አሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶ፡ ኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ።
28. ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጽጸድቕ፡ ንብል አሎና።
29-30. ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለ ዝዀነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ።
31. እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ አሎና፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ አሎና።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...