1. እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንናድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውርንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ።

2-3. ከምቲ ጽሑፍጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍናንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።

4. ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ

5-6. ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩምከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩምሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም

7-8. ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል አሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩምንሓድሕድኩም ተቓባበሉ።

9. ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ፡ ዚብልንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ።

10. ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱይብል

11. መሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል።

12. ኢሳይያስ ድማ ደጊሙእቲ ሱር እሴይ ኪኸውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ፡ ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኺገብሩ እዮም፡ ይብል

13. ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም

14. ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩምንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዚዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ አሎኹ።

15-16. ግናኸ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም

17-19. እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትንንምእዛዝ ኣህዛብክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ አሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ።

20-21. ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ አሎኹ።

22. ስለዚ ኸኣ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩ

23. ሕጂ ግና ኣብዚ ሃገር እዚ ስፍራ ስለ ዜብለይ፡ ናባኻትኩም ምምጻእውን ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘ ስለ ዝናፈቕኩ

24. ንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ክሐልፍ ከሎኹ ኽርእየኩምቅድም ቅሩብ ብምርኣይኩም ምስ ጸገብኩ፡ ካብኡ ንንየው ድማ ብኣኻትኩም ክስነ ተስፋ እገብር አሎኹ።

25-26. ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ አሎኹ።

27. ሰሚሮምዎ እዮም እሞ፡ ሰብ ኢዶምውን እዩም። ካብቲ መንፈሳዊ ርካቦም እቶም ኣህዛብ ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንስጋኦም ዜድሊ ኼገልግልዎምዚግባእ እዩ

28. እምብኣርሲ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ እዚ ፍረ እዚውን ምስ ሐተምኩሎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንስጳንያ ክኸይድ እየ።

29. በቲ ናባኻትኩም ምምጻኤይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጻእኩእፈልጥ አሎኹ።

30-32. ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕንኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍሲብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም አሎኹ።

33. ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን