1. እታ ሓሶትን ዓመጽን ዝመልኤት፣ ምዝራፍ ከኣ ዘይትሐድግ ከተማ ደም ወይለኣ።
2. ደሃይ ሓለንግን ዳሃይ እቲ ድዋዐዋዕ ዚብል መንኰራዅርን ጋልበት ኣፍራስን ዚጐያ ኦኣረብያታትን ይስማዕ።
3. ጋልበት ፈረሰኛታትን ሃልሃልታ ሰይፍን መበአቕ ኵናትን ምብዛሕ ቅቱላትን ኵምራ ምዉታትን ቍጽሪ ዜብሎም ሬሳታትን ኰነ፣ ብሬሳታቶም ድማ ይዕንቀፉ።
4. እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ብዝሒ ምንዝርና ናይታ ንህዝብታት ብምንዝርና፣ ንዐሌታት ከኣ ብጠንቈላ እትሸይጥ መልክዔኛ ኣመንዝራ፣ ፈላጥ ተንቋሊት እዩ።
5. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፣ ኣነ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገጽኪ ክቐክዖ፣ ንህዝብታት ዕርቃንኪ፣ ንመንግስትታት ከኣ ነውርኺ ኸርእዮም እየ።
6. ርኽሰት ኣባኺ ኽድርቢ፣ ንዕቕቲ ኽገብረኪ፣ መላገጺ ኽትኰኒውን ክውፍየኪ እየ።
7. ኪኸውን ድማ እዩ፣ ዚርእዩኺ ዘበሉ ዅላቶም ካባኺ ኺሀድሙ እሞ፣ ነነዌ ባደመት፣ መንከ ይበኽየላ፡ ዜጸናንዑኺ ኻበይ ክደልየልኪ እየ፡ ኪብል እዮም።
8. ንስኺዶ ኻብቲ ኣብ መንጎ ርባታት እተቐመጠት፣ ማያት ዝኸበበ፣ ቀጽራ ባሕሪ፣ መካባብያ ኸኣ ባሕሪ ዝዀነ ኖ-ኣሞን ትበልጺ ኢኺ፡
9. ኢትዮጽያን ግብጽን መወዳእታ ዜብሉ ሓይሊ ነበሩ፣ ፉጥን ሊብያን ሓገዝትኺ ነበሩ።
10. ግናኸ ንሳ ተሰደትን ተማረኸትን፣ ሕጻናታ ድማ ኣብ ርእሲ ዅሉ መገድታት ተጨፍለቑ። ኣብቶም ክቡራት ሰባታ ኸኣ ዕጭ ኣውደቑ፣ ኵላቶም ዓበይቲ ሰባውን ብመቝሕ ተኣስሩ።
11. ንስኺ ድማ ክትሰኽርን ክትሕብእን ኢኺ፣ ንስኺውን ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ዕሩድ ቦታ ኽትደልዪ ኢኺ።
12. ኵሉ ዕርድታትኪ ኸም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፣ ሰሰው እንተ ኣበልካያ፣ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ።
13. እንሆ ህዝብኺ ኣብ ማእከልኪ ኣንስቲ ዀነ። እተን ደጌታት ሃገርኪ ንጸላእትኺ ኽፉታት እየን፣ ነቲ መሃርሃሪታትኪ ሓዊ በልዖ።
14. ክትክበቢ ኢኺ እሞ፣ ማይ ቅድሒ፣ ዕርድኺ ኣጽንዒ፣ ኣብ ጭቃ እተዊ፣ መሬት ርገጺ፣ መስርሕ ጡብ ከኣ ኣጣጥኢ።
15. ኣብኡ ሓዊ ኺበልዓኪ፣ ሰይፊ ኼጥፍኣኪ፣ ከም ኵብኵብታ ኺበልዓኪ እዩ። ከም ኵብኵብታ ብዝሒ፣ ከም ኣንበጣ ብዝሒ።
16. ንነጋዶኺ ካብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛህክዮም። ኵብኵብታ ፋሕ ይብል፣ ነፊሩውን ይኸይድ።
17. እቶም ዘውዲ ጽደፍኡ ኣባኺ ዘለዉ ኸም ኣንበጣ፣ እቶም ሓላቑኺ ድማ ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ሃጹር ዚሰፍር ጭፍራ ዅብኵብታ እዮም። ጸሓይ ምስ በረቐት፣ ይሀድሙ፣ ኣበይ ከም ዝነብሩ ቦታኦም ኣይፍለጥን እዩ።
18. ዎ ንጉስ ኣሶር፣ ጓሶትካ ደቀሱ፣ እቶም ከበርቴታትካ ዐረፉ፣ ህዝብካ ኣብ ኣኽራን ፋህ በሉ፣ ዚእክቦም ድማ የልቦን።
19. እከይካ ዅሉ ጊዜ ብልዕሊኡ ዘይሐለፎ መን እዩ፡ ስለዚ ንቝስልኻ ፈውሲ የብሉን፣ መውቃዕትኻ ብርቱዕ እዩ፣ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ዅላቶም ኣእዳዎም ኣጣቕዑልካ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...