1. እታ ሓሶትን ዓመጽን ዝመልኤትምዝራፍ ከኣ ዘይትሐድግ ከተማ ደም ወይለኣ

2. ደሃይ ሓለንግን ዳሃይ እቲ ድዋዐዋዕ ዚብል መንኰራዅርን ጋልበት ኣፍራስን ዚጐያ ኦኣረብያታትን ይስማዕ።

3. ጋልበት ፈረሰኛታትን ሃልሃልታ ሰይፍን መበአቕ ኵናትን ምብዛሕ ቅቱላትን ኵምራ ምዉታትን ቍጽሪ ዜብሎም ሬሳታትን ኰነ፣ ብሬሳታቶም ድማ ይዕንቀፉ

4. እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ብዝሒ ምንዝርና ናይታ ንህዝብታት ብምንዝርናንዐሌታት ከኣ ብጠንቈላ እትሸይጥ መልክዔኛ ኣመንዝራ፣ ፈላጥ ተንቋሊት እዩ።

5. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፣ ኣነ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገጽኪ ክቐክዖንህዝብታት ዕርቃንኪንመንግስትታት ከኣ ነውርኺ ኸርእዮም እየ።

6. ርኽሰት ኣባኺ ኽድርቢንዕቕቲ ኽገብረኪ፣ መላገጺ ኽትኰኒውን ክውፍየኪ እየ።

7. ኪኸውን ድማ እዩ፣ ዚርእዩኺ ዘበሉ ዅላቶም ካባኺ ኺሀድሙ እሞ፣ ነነዌ ባደመት፣ መንከ ይበኽየላዜጸናንዑኺ ኻበይ ክደልየልኪ እየ፡ ኪብል እዮም።

8. ንስኺዶ ኻብቲ ኣብ መንጎ ርባታት እተቐመጠትማያት ዝኸበበቀጽራ ባሕሪመካባብያ ኸኣ ባሕሪ ዝዀነ ኖ-ኣሞን ትበልጺ ኢኺ፡

9. ኢትዮጽያን ግብጽን መወዳእታ ዜብሉ ሓይሊ ነበሩ፣ ፉጥን ሊብያን ሓገዝትኺ ነበሩ።

10. ግናኸ ንሳ ተሰደትን ተማረኸትንሕጻናታ ድማ ኣብ ርእሲ ዅሉ መገድታት ተጨፍለቑ። ኣብቶም ክቡራት ሰባታ ኸኣ ዕጭ ኣውደቑ፣ ኵላቶም ዓበይቲ ሰባውን ብመቝሕ ተኣስሩ

11. ንስኺ ድማ ክትሰኽርን ክትሕብእን ኢኺ፣ ንስኺውን ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ዕሩድ ቦታ ኽትደልዪ ኢኺ።

12. ኵሉ ዕርድታትኪ ኸም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፣ ሰሰው እንተ ኣበልካያ፣ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ

13. እንሆ ህዝብኺ ኣብ ማእከልኪ ኣንስቲ ዀነ። እተን ደጌታት ሃገርኪ ንጸላእትኺ ኽፉታት እየን፣ ነቲ መሃርሃሪታትኪ ሓዊ በልዖ

14. ክትክበቢ ኢኺ እሞ፣ ማይ ቅድሒዕርድኺ ኣጽንዒ፣ ኣብ ጭቃ እተዊመሬት ርገጺ፣ መስርሕ ጡብ ከኣ ኣጣጥኢ።

15. ኣብኡ ሓዊ ኺበልዓኪሰይፊ ኼጥፍኣኪ፣ ከም ኵብኵብታ ኺበልዓኪ እዩ። ከም ኵብኵብታ ብዝሒ፣ ከም ኣንበጣ ብዝሒ።

16. ንነጋዶኺ ካብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛህክዮምኵብኵብታ ፋሕ ይብል፣ ነፊሩውን ይኸይድ።

17. እቶም ዘውዲ ጽደፍኡ ኣባኺ ዘለዉ ኸም ኣንበጣ፣ እቶም ሓላቑኺ ድማ ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ሃጹር ዚሰፍር ጭፍራ ዅብኵብታ እዮም። ጸሓይ ምስ በረቐትይሀድሙኣበይ ከም ዝነብሩ ቦታኦም ኣይፍለጥን እዩ።

18. ንጉስ ኣሶርጓሶትካ ደቀሱ፣ እቶም ከበርቴታትካ ዐረፉህዝብካ ኣብ ኣኽራን ፋህ በሉ፣ ዚእክቦም ድማ የልቦን።

19. እከይካ ዅሉ ጊዜ ብልዕሊኡ ዘይሐለፎ መን እዩ፡ ስለዚ ንቝስልኻ ፈውሲ የብሉን፣ መውቃዕትኻ ብርቱዕ እዩ፣ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ዅላቶም ኣእዳዎም ኣጣቕዑልካ

Chap 2