1-2. ዘረፍቲ ስለ ዝዘረፍዎምን፣ ንሓረግ ወይኖም ስለ ዘብረስዎን፣ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ኽብረት እስራኤል፣ ንኽብረት ያእቆብ ኪመልሶ እዩ እሞ፣ እቲ መብረሲ ይድይበካ አሎ፣ ነቲ ዕርዲ ሐልዎ፣ ነቲ መገዲ ኣማዕድዎ፣ ሕቜኻ ኣደልድሎ፣ ሓይልኻ ኣዚኻ ኣበርትዓዮ።
3. እቲ ዋልታ ሓያላቱ ቔሔ፣ እቶም ተዋጋእቲ ሰብ ቀይሕ ተኸዲኑ፣ በታ መዓልቲ ምድላው ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፣ እቲ ዛብያታት ይንብጥበጥ።
4. እተን ሰረገላታት ኣብ መገዲ ብናህሪ ይኸዳ፣ ኣብ ኣደባባያት ይጋጨዋ፣ ትርኢተን ከም ሃልሃልታ እዩ፣ ከም መባርቕ ድማ ይጐያ።
5. ንኸበርቴታቱ ይዝክር፣ ኪኸዱ ኸለዉ ይዕንቀፉ፣ ናብ መካበብያኣ ኣቢሎም ይቕልጥፉ፣ መጸግዒ ድማ ተዳለወ።
6. ደጌታት ወሓይዝ ይኽፈት፣ እቲ ኣደራሽ ከኣ ይመክኽ።
7. ክዉን እዩ፣ ጥራያ ዀይና ተማረኸት፣ ኣግራዳ ድማ ኣፍ ልበን እናወቕዓ ብደሃይ ርግቢ ዋይዋይ ይብላ ኣለዋ።
8. ነነዌ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኸም ማይ ዝመልኤ ሓጽቢ ነበረት፣ ግናኸ ሀደሙ። ደው በሉ፣ ደው በሉ፣ በልዎም፣ ግልብጥ ዝበለ ግና የልቦን።
9. እቲ መዝገብ፣ ድልቢ እቲ በብዓይነቱ ዘሎ ኽቡር ኣቓሑ፣ ታእላው የብሉን እሞ፣ ብሩር ዝመቱ፣ ወርቂ ዝመቱ።
10. ባዶን ጥራያን ኰነት፣ ባደመት፣ ልቢ መኸኸ፣ ኣብራኽ ከኣ ራዕራዕ በለ፣ ዅሉ ሕቘ ሐመመ፣ ገጽ ዅሎምውን ጸለመ።
11. እቲ ሽደናት ዚበልዑሉ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራኵር ኣንበሳን ድማ መፍርሂ ዜብሎም ኰይኖም ዚዛውኑሉ ቦታ ኣናብስ አሎ፡
12. ኣንበሳ ንዀራኵር ዚኣኽሎም ዘረፈ፡ ንዋዕሮታቱ ኸኣ ሐነቐለን፡ በዓትታቱ ብግዳዩ፡ ጐደጒዱ ኸኣ ብዝዘረፎ መልኦ።
13. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እኔኹ፡ ኣብ ልዕሌኺ እየ፡ ንዓረብያታታ ኣንዲደ ኸትክኾ እየ። ነቶም ኰረኵር ኣናብስኪ ሰይፊ ኺወሕጦም እዩ፡ ንዝዘመትክዮ ካብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ድሕርዚ ድምጺ ልኡኻትኪ ኣይኪስማዕን እዩ፡ ይብል አሎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...