1-2. ዘረፍቲ ስለ ዝዘረፍዎምንንሓረግ ወይኖም ስለ ዘብረስዎንእግዚኣብሄር፣ ከምቲ ኽብረት እስራኤልንኽብረት ያእቆብ ኪመልሶ እዩ እሞ፣ እቲ መብረሲ ይድይበካ አሎ፣ ነቲ ዕርዲ ሐልዎ፣ ነቲ መገዲ ኣማዕድዎሕቜኻ ኣደልድሎ፣ ሓይልኻ ኣዚኻ ኣበርትዓዮ

3. እቲ ዋልታ ሓያላቱ ቔሔ፣ እቶም ተዋጋእቲ ሰብ ቀይሕ ተኸዲኑ፣ በታ መዓልቲ ምድላው ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፣ እቲ ዛብያታት ይንብጥበጥ

4. እተን ሰረገላታት ኣብ መገዲ ብናህሪ ይኸዳ፣ ኣብ ኣደባባያት ይጋጨዋ፣ ትርኢተን ከም ሃልሃልታ እዩ፣ ከም መባርቕ ድማ ይጐያ

5. ንኸበርቴታቱ ይዝክርኪኸዱ ኸለዉ ይዕንቀፉ፣ ናብ መካበብያኣ ኣቢሎም ይቕልጥፉመጸግዒ ድማ ተዳለወ

6. ደጌታት ወሓይዝ ይኽፈት፣ እቲ ኣደራሽ ከኣ ይመክኽ

7. ክዉን እዩ፣ ጥራያ ዀይና ተማረኸትኣግራዳ ድማ ኣፍ ልበን እናወቕዓ ብደሃይ ርግቢ ዋይዋይ ይብላ ኣለዋ።

8. ነነዌ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኸም ማይ ዝመልኤ ሓጽቢ ነበረት፣ ግናኸ ሀደሙደው በሉ፣ ደው በሉ፣ በልዎም፣ ግልብጥ ዝበለ ግና የልቦን።

9. እቲ መዝገብ፣ ድልቢ እቲ በብዓይነቱ ዘሎ ኽቡር ኣቓሑታእላው የብሉን እሞ፣ ብሩር ዝመቱወርቂ ዝመቱ

10. ባዶን ጥራያን ኰነት፣ ባደመትልቢ መኸኸኣብራኽ ከኣ ራዕራዕ በለ፣ ዅሉ ሕቘ ሐመመገጽ ዅሎምውን ጸለመ

11. እቲ ሽደናት ዚበልዑሉ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራኵር ኣንበሳን ድማ መፍርሂ ዜብሎም ኰይኖም ዚዛውኑሉ ቦታ ኣናብስ አሎ፡

12. ኣንበሳ ንዀራኵር ዚኣኽሎም ዘረፈ፡ ንዋዕሮታቱ ኸኣ ሐነቐለንበዓትታቱ ብግዳዩ፡ ጐደጒዱ ኸኣ ብዝዘረፎ መልኦ

13. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እኔኹ፡ ኣብ ልዕሌኺ እየ፡ ንዓረብያታታ ኣንዲደ ኸትክኾ እየ። ነቶም ኰረኵር ኣናብስኪ ሰይፊ ኺወሕጦም እዩ፡ ንዝዘመትክዮ ካብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ድሕርዚ ድምጺ ልኡኻትኪ ኣይኪስማዕን እዩ፡ ይብል አሎ።