1. ጾር ነነዌመጽሓፍ ራእይ ናሆም ኣልቆሻዊ

2. እግዚኣብሄርሲ ቀናእን ፈዳይ ሕነን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ፈዳይ ሕነን ቍጥዓ ዝመልኤን እዩ። እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሕነ ይፈድዮንጸላእቱ ኸኣ ይቕየሞም።

3. እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፣ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቈጽሮን፣ እግዚኣብሄር ብሸምበባን ብህቦብላን እዩ መገዱደበና ኸኣ ተጐጓ ኣኣጋሩ እዩ።

4. ነቲ ባሕሪ ይገንሖን የንቅጾን፣ ንዅሉ ርባታት የንጽፎባሳንን ቀርሜሎስን ጸምለዉዕምባባ ሊባኖስውን ጸምለወ

5. ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡኵርባታት ከኣ ይመኩምድርን ዓለምን ኣብኣ ዚነብሩ ዅላቶምን ኣብ ቅድሚኡ ይናወጹ

6. ኣብ ቅድሚ ዅራኡ ደው ዚብል መን እዩ፡ ኣብ ረስኒ ቝጥዓኡስ መን ይቐውምነድሩ ኸም ሓዊ ይልሕም ነኻውሕውን ይጭንድሖ

7. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።

8. ንሱ ነቲ ቦታኣ ብዚድምስስ ውሒዝ ጥራስ ኬጥፍኣ ኣዩ፣ ንጸላኣቱ ኸኣ ናብ ጸልማት ኪሰጎም እዩ።

9. ኣንጻር እግዚኣብሄር እንታይ ትሓስቡ፡ ንሱስ ብጥራስ ኬጥፋኣ እዩ፣ ጸበባ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ።

10. ምንም እኳ ኸም እሾዅ እንተ ተተናነጉ፣ ብወይኖምውን እንተ ስሰኸሩ፣ ከም ንቑጽ ብርዒ ብጥራስ ሞዅ ኪብሉ እዮም።

11. እቲ ንእግዚኣብሄር እከይ ዝሐስበሉሕሰም ከኣ ዚመኽረሉ፣ ካባኻ ወጸ

12. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓት እንተ ዀኑ፣ ኪዕጸዱ እዮም፣ ንሱውን ኪጠፍእ እዩ። ኣነ ኣጨነቕኩኻ፣ ድሕሪ ደጊምሲ ኣይከጨንቐካን እየ።

13. ሕጂ ድማ ኣርዑቱ ካባኻ ኽሰብር እየ፣ ንማእሰሪታትካ ኸኣ ክበታትኾ እየ።

14. እግዚኣብሄር ድሕርዚ ኻብ ስምካ ኣይዘራእ፣ ኣነ ነቲ ቕሩጽ ምስልን ነቲ ፍሱስ ምስልን ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኸጥፍኦ እየ፣ እትነዐቕ ኢኻ እሞ፣ መቓበ ክገብረልካ እየ፣ ኢሉ ብዛዕባኻ ኣዘዘ

15. እንሆ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፣ ሰላም ከኣ ዜውሪ ኣብ ኣኽራን ኣለዋ። ደጊምሲ እቲ ሕሱም ኣብ ማእከልካ ኣይኪሐልፍን ብጥራስ ከኣ ጸኒቱ እዩ እሞ፣ ዎ ይሁዳባዓላትካ ኣብዕል፣ መብጽዓኻ ፈጽም