1. ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእይዋ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም

2. ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ

3. ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእልኣዝዩ ጻዕደወ

4. ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ

5. ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መሊሱመምህርኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩሰለስተ ዳስ ክንሰርሕሓደ ንኣኻሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስበሎ

6. ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ።

7. ደበና መጺኡ ኣጐልበቦምካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎዚብል ድምጺ መጸ።

8. ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን

9. ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኤ እንተ ዘይኰይኑእቲ ዝረአይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም

10. ነቲ ቓሉ ኸኣ ሐዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምዉታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ

11. ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጽሓፍቲኤልያስ ቅድም ኪመጽእ ይግባእዚብሉኢሎም ሐተትዎ

12. ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእንዅሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይ ተጽሒፉ አሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዓቕን እዩ።

13. ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበርዎ፡ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም

14. ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎምጸሓፍቲውን ኪካራኸርዎም ከለዉ ረአየ

15. ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ።

16. ንጸሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም አሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም

17. ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህርንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ አሎኹ፡

18. ኣብ ዝሓዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዓፍርኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውንንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ።

19. ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰጉም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎኢሉ መለሰ

20. ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዓፈረ ኸኣ።

21. የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ

22. ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ገለ ትክእል እንተ ዄንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ።

23. የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ

24. ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍበሎ

25. የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረአየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስእእዝዘካ አሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎኢሉ ገንሖ

26. ገዓረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸብዙሓት ሞይቱ ኽሳዕ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ።

27. የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ

28. ናብ ቤት ምስ ኣተወደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሐተትዎ

29. ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም

30. ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሐለፉሓደ እኳ እዚ ኺፈልጥ ኣይፈተወን

31. ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይወሃብ አሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ፡ በሎም

32. ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዓልዎንከይሐትዎ ኸኣ ፈርሁ

33. ኣብ ቅፍርናሆም በጽሔ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረብሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም

34. ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ

35. ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑእቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዅሉን ግዙእ ኵሉን ይኹንበሎም

36. ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሐቝፍዎ ኸኣ፡

37. ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም።

38. ዮሃንስ ከኣ፡ መምህርሓደ ዘይስዕበናብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዓበና ኸሊእናዮበሎ

39. የሱስ ከኣ በለኣይትኽልእዎብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን

40. ዘይበኣሰና ዘበለ ዅሉ ምሳና እዩ።

41. ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩምጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለዓስቡ ኸም ዘይስእንብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

42. ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕቲመጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ

43-44. ኢድካ እንተ ኣስሐተትካቍረጻክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውትሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስቍሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ

45-46. እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውንቁረጻክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውትሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ

47-48. ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውንኣንቍራክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውትሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስነቋር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸካ

49. ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቕር

50. ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸብምንታይ ተምቕርዎ፧ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።