1. ካብኡ ወጺኡ ናብ ዓዱ መጸደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዐብዎ

2. ብሰንበት ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ጀመረብዙሓት ንእኡ ሰሚዖም፡ ነዚ ነገርዚ ኻበይ ረኸቦ፧ ከምዚ ዝበለ ሓይልታት ብኢድ ዚግበርከ፡ እንታይ ጥበብ ተዋህበቶ

3. እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያምሓው ያእቆብን ዮሴን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነንኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዓንቀፉ

4. የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ፡ በሎም

5. ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ሓይሊ ኺገብር ኣይኰነሉን

6. በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞእናመሃረ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ዓድታት ዞረ

7. ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ኪልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሃቦም

8. ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበርለቘታ ዀነእንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም

9. ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም።

10. ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤትካብኣ ክሳዕ እትወጹኣብኣ ተቐመጡ

11. ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ስፍራ፡ ካብኣ ወጺእኩምንኣታቶም ንምስክር ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንጎሞራን ከም ዚቐልልብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

12. ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ኪንሳሕ ሰበኹ

13. ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም

14. ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዔስሙ ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር አሎ፡ በለ

15. ካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩበሉ። ካልኦት ከኣ፡ ነብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ።

16. ሄሮዶስ ግና እዚ ምስ ሰምዔ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡበለ

17-18. ዮሃንስ ንሄሮዶስሰበይቲ ሓዉካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካንኢልዎ ነበረ። ሄሮዶስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰራ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።

19-20. ሄሮዶስ ንዮሃንስ ጻድቕቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን

21. ምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነሄሮዶስ እተወልደላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቃታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ

22. ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዔትንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓልዝደሌኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪበላ

23. ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሐለላ

24. ወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖበለታ ንሳ ኸኣ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ በለታ።

25. ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ አሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ

26. እቲ ንጉስ ኣዝዩ ሐዘነስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ኪኸልኣ ኣይፈተወን

27. ብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይርእሱ ኼምጽእ ኣዚዙለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈ

28. ብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሃባ፡ እታ ጓልውን ነዲእ ሃበታ

29. ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ

30. እቶም ሃዋርያት ድማ ናብ የሱስ ተኣከቡዝገበርዎን ዝመሃርዎን ከኣ ኣዛረብዎ

31. ንምብላዕ እኳ ጊዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ዚመጹን ዚኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ክትዓርፉ ንዑናይበሎም

32. በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ

33. ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ረአይዎምብዙሓትውን ኣለለይዎምካብ ኵለን ከተማታት ድማ ብእግሪ ናብኡ ጐየዩቀዲሞምዎም ድማ መጹ፡ ናብኡውን ተኣከቡ

34. የሱስ ምስ ወጸብዙሕ ህዝቢ ረአየሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎምብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ

35. እቲ ጊዜ ኣዝዩ ምስ ሐለፈደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦምእዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ።

36. ዚብላዕ የብሎምን እሞ፡ ኣብ ጥቓና ናብ ዘሎ ኣቝሻትን ዓድታትን ከይዶምንኣታቶም ዚበልዕዎ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ።

37. ንሱ ግና መሊሱኪበልዑ ንስኻትኩም ሃብዎምበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኬድናዶ ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ ኽንዕድግ እሞ ኪበልዑ ኽንህቦምበልዎ

38. ንሱ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኸም ዘሎኩም ኪዱ ርኣዩበሎም። ምስ ፈለጡሓሙሽተን ክልተ ዓሳንበልዎ

39. ንዅሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኬቐምጥዎምውን ኣዘዞም

40. ከከም መስርዖም በብሚእቲን በብሓምሳን ተቐመጡ

41. ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኪቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዅሎም መቐሎም

42. ኵሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ

43. እቲ ቘረርስውን ዓሰርተው ክልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ፡ ካብቲ ዓሳ ድማ።

44. እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ እዮም

45. ብኡብኡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሳናብት፡ ናብ ጃልባ ኣትዮም ንማዕዶ ናብ ቤተ-ሳይዳ ኪቕድምዎ ብግዲ በሎም።

46. ምስ ኣሳናበቶምኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ

47. ምድሪ ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነበረት፡ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ።

48. ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፡ ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮምብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ናባታቶም መጸ ኺሐልፎምውን ደለየ።

49. ንሳቶም ግና ባሕሪ ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ ምስ ረአይዎምትሃት መሲልዎም ጨርሑ

50. ኵሎም ረአይዎ እሞ ሰምበዱብኡብኡ ኸኣ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም

51. ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሃድኤንሳቶምውን ብዙሕ ተገረሙ

52. ልቦም ተደፊኑ ነበረ እሞ፡ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ኣየስተውዐልዎን

53. ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ነታ ጃልባ ኣቘምዋ

54. ካብ ጃልባ ምስ ወጹብኡብኡ ኣለለይዎ

55. ኣብ ኵላ እታ ሃገር ጐየዩኣበይ ምህላዉ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ዱኑሳት ብዓራታት ገይሮም ናብኡ ኺጸርዎም ጀመሩ

56. ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ዓድታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ከተማታት፡ ወይ ኣብ ኣቝሻት፡ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት በጥ ኣበልዎም፡ ዘፈር ክዳኑ ኪትንክዩ ድማ ለመንዎዝተንከዮ ዘበለ ዅሉውን ሐወየ