1. ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኺምህር ጀመረ። ኣብቲ ባሕሪ ናብ ጃልባ አትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ።

2. ብብዙሕ ምስላታት ድማ መሃሮም፡ በቲ ምህሮኡ ኸኣ በሎም

3. ስምዑእንሆዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ

4. ኰነ ኸኣ፡ ኪዘርእ ከሎገለ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ

5. ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐዓሚቝ ሓመድ ዜብሉ ስለ ዝዀነ ድማ ቀልጢፉ በቘለ

6. ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ሃጐጐሱር ስለ ዜብሉውን ነቐጸ

7. ገሊኡ ኸኣ ኣብ እሾዅ ወደቐ፡ እቲ እሾዅ ከኣ ዓብዩ ሐነቖ ፍረውን ኣይፈረየን

8. ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐዚበቍልን ዚዓብን ፍረ ኸኣ ሃበገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፈረየ

9. ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕበለ

10. ንበይኑ ምስ ኰነ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዘለዉ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖምብዛዕባ እቲ ምስላ ሐተትዎ

11. ንሱ ኸኣ በሎምምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ፡ ነቶም ብወጻኢ ዘለዉ ግና፡

12. እናረአዩ ኺርእዩ እሞ ከይስወጦምእናሰምዑ ኺሰምዑ እሞ ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ ይቕረውን ምእንቲ ኸይብለሎምሲ፡ ኵሉ ብምስላ እዩ ዚኸውን።

13. በሎም ድማ፡ ነዚ ምስላ እዝዶ ኣይፈለጥኩምዎንከመይ ጌርኩም ደኣ ንዅሉ ምስላታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም፧

14. እቲ ዘራኢ ነታ ቓል ይዘርኦ

15. እቶም ቃል ኣብ እተዘርኦ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርኤ ቓል ይወስዶ

16. ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ

17. ንሽዑ እዮም እምበርሱር የብሎምንደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነቀልጢፎም ይዕንቀፉ

18. እቶም ኣብ እሾዅ እተዘርኡ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ

19. ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን አትዩ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሐንቆፍረ ዜብሉ ድማ ይኸውን

20. እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዚቕበልዎውን ፍረ ኸኣ ዚፈርዩገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ

21. በሎም ድማ፡ መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኬንብርዎ የምጽኡ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኬንብርዎ ደይኰነን

22. ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስዉር ድማ የልቦን።

23. ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ

24. ድማ በሎምብትሰምዕዎ ተጠንቀቑበቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ

25. ንዘለዎ ይወሃቦ እዩ እሞ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።

26. በለውንመንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ።

27. ንሱ ለይትን ምዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጠይበቍል ይዐቢውን

28. እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪቅድም ጮማ ብቝሊደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ

29. ምስ በጽሔቀውዒ አትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺዱ ይሰድድ

30. በለ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧

31. ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርኤት እሞ ካብ ኵሉ ዘርኢ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ

32. ምስ ተዘርኤት ከኣ፡ ትበቍል፡ ካብ ኵሉ ኣሕምልቲውን ትዓቢኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳኤን ክሳዕ ዚኽእላ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር

33. ምስማዑ ብዚከአሎም መጠን፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ምስላታት ብዙሕ ነገር ተዛረቦም

34. ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምንንደቀ መዛሙርቱ ግና ኣብ በይኖም ኵሉ ይገልጸሎም ነበረ።

35. በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገርበሎም

36. ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎካልኦት ጃላቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ

37. ህቦብላ ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነእታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ

38. ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረኣተንሲኦም ድማ፡ መምህርክንጠድፍእዶ ግድና የብልካንበልዎ

39. ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላእቲ ንፋስ ዝግ በለዓብዪ ህድኣትውን ኰነ

40. ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩምከመይእምነትዶ የብልኩምንበሎም

41. ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሀሉ