1. ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእይዋ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
2. ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ።
3. ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ።
4. ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ።
5. ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መሊሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ።
6. ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ።
7. ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
8. ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።
9. ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኤ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረአይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
10. ነቲ ቓሉ ኸኣ ሐዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምዉታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ።
11. ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጽሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፡ ኢሎም ሐተትዎ።
12. ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይ ተጽሒፉ አሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዓቕን እዩ።
13. ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበርዎ፡ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
14. ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፡ ጸሓፍቲውን ኪካራኸርዎም ከለዉ ረአየ።
15. ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ።
16. ንጸሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም አሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም።
17. ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ አሎኹ፡
18. ኣብ ዝሓዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዓፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ።
19. ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰጉም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ።
20. ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዓፈረ ኸኣ።
21. የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡
22. ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ገለ ትክእል እንተ ዄንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ።
23. የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ።
24. ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍ፡ በሎ።
25. የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረአየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ አሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ።
26. ገዓረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳዕ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ።
27. የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ።
28. ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሐተትዎ።
29. ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም።
30. ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሐለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኺፈልጥ ኣይፈተወን።
31. ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይወሃብ አሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ፡ በሎም።
32. ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዓልዎን፡ ከይሐትዎ ኸኣ ፈርሁ።
33. ኣብ ቅፍርናሆም በጽሔ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረብሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም።
34. ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ።
35. ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዅሉን ግዙእ ኵሉን ይኹን፡ በሎም።
36. ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሐቝፍዎ ኸኣ፡
37. ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም።
38. ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዓበና ኸሊእናዮ፡ በሎ።
39. የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።
40. ዘይበኣሰና ዘበለ ዅሉ ምሳና እዩ።
41. ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
42. ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕቲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ።
43-44. ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቍረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
45-46. እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቁረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።
47-48. ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቍራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቋር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸካ።
49. ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቕር።
50. ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቕርዎ፧ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...