1. ሽዑ ፈሪሳውያንን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጻሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ

2. ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳማለት ብዘይተሐጽባ ኣእዳው እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ ረአይዎም

3. ፈሪሳውያንን ኵሎም ኣይሁድን ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉኣእዳዎም ኣጸቢቝም ከይተሐጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡

4. ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውንከይተሐጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዚመስል፡ ኪሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም።

5. ጸሓፍትን ፈሪሳውያን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ኸም ስርዓት ዓበይቲ ዘይከዱኣእዳዎም ከይተሐጽቡስ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኢሎም ሐተትዎ

6-7. ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛትከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ

8. ትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩምስርዓት ሰብ ትሕልዉ አሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮንብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ አሎኹም።

9. ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ።

10. ሙሴኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙትኢሉ አሎ።

11. ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቝርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎ

12. ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም።

13. ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ አሎኹም።

14. ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑኵልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን

15. ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚአቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ።

16. እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም።

17. ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ

18. በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧

19. ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ

20. በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ

21. ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝርስርቂቅትለት

22. ዝሙትስስዔክፍኣትጕርሒቅለትቅንኣትጸርፊኵርዓትዕሽነት

23. እዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእንሰብ ከኣ የርክሶ

24. ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወንኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን

25. ሓንቲ ሰበይቲጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸትኣብ እግሩውን ተደፍኤት

26. እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ

27. የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡበላ

28. ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ

29. ንሱ ድማ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡበላ

30. ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ መጺኡላ ረኸበታ

31. ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ንማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ

32. ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦምኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ

33. ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ

34. ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸፈት፡ ማለት እዩ።

35. ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሔኣቕኒዑውን ተዛረበ

36. ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ

37. ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንዅሉ ጽቡቕ ገበሮጸማማት ከም ዚሰምዑዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረእናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ