1. ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት አተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።
2. ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ።
3. ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ።
4. ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታል ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ።
5. በቲ ድርቅና ልቦም ጕህዩ፡ ብዅራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት።
6. ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ።
7. የሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።
8. ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ።
9. ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼጽንሑሉ ነገሮም።
10. ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ምእንቲ ኺትንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ።
11. ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረአይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ።
12. ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም።
13. ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ።
14. ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡
15. ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም።
16. ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡
17. ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጻሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ።
18. እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሚዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡
19. እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ፡
20. ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዚስእኑ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበ።
21. ኣዝማዱ ምስ ሰምዑኡ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ።
22. ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜቡል አለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ።
23. የሱስ ጸውዖም፡ ብምስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ኬውጽኦ ይዀነሉ፧
24. መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ።
25. ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።
26. ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን።
27. ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል አትዩ ገንዘቡ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ።
28. ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ።
29. እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢያቱ ንዘለኣለም ይዅንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
30. ርኹስ መንፈስ አለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም።
31. ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለአኹሉ።
32. ብዙሕ ህዝቢ ኺቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ አለዉ ይደልዩኻውን አለዉ፡ በልዎ።
33. መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፡ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም።
34. ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ።
35. ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዅሉ እዩ፡ በሎም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...