1. ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት አተወኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ

2. ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ።

3. ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በልበሎ

4. ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባርምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታል ይግባእበሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ

5. በቲ ድርቅና ልቦም ጕህዩብዅራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕበሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት

6. ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ

7. የሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ

8. ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስካብ ማዕዶ ዮርዳኖስካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ

9. ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼጽንሑሉ ነገሮም

10. ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ምእንቲ ኺትንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ።

11. ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረአይዎንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ

12. ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም

13. ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ

14. ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምንዓሰርተው ክልተ ገበሮም

15. ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም

16. ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ

17. ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጻሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ

18. እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሚዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን

19. እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ፡

20. ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዚስእኑ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበ

21. ኣዝማዱ ምስ ሰምዑኡተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ

22. ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜቡል አለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ

23. የሱስ ጸውዖምብምስላታት ከኣ በሎምሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ኬውጽኦ ይዀነሉ

24. መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ።

25. ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን

26. ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየንይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን

27. ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል አትዩ ገንዘቡ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ

28. ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ።

29. እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢያቱ ንዘለኣለም ይዅንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

30. ርኹስ መንፈስ አለዎስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም።

31. ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለአኹሉ

32. ብዙሕ ህዝቢ ኺቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ አለዉ ይደልዩኻውን አለዉ፡ በልዎ

33. መሊሱኣደይ መን እያ፡ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም

34. ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ

35. ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዅሉ እዩ፡ በሎም።