1. ካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱመምህርከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤበሎ

2. የሱስ ድማ፥ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ አሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪትርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ

3. ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፥

4. እስኪ ንገረናእዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።

5. የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ

6. ብዙሓት፥ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ኬስሕቱ እዮም።

7. ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩምኣይትሸበሩእዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።

8. ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውንጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርያ ቕልውላው እዩ።

9. ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ

10. ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ።

11. መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑእቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሃበኩም ደኣ ተዛረቡ

12. ሓው ንሓውወላዲ ነሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ናብ ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም።

13. ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ።

14. እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ

15. ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን

16. ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ

17. በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን

18-19. ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ

20. እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን

21. ሽዑ ሓደ እኳክርስቶስ ኣብዚ እንሆወይስ ኣብቲ አሎ፡ እንተ በለኩምኣይትእመኑ

22. ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።

23. ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነገርኩኹም

24. በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ።

25. ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም።

26. ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።

27. ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።

28. ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩጨናፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔክረምቲ ኸም ዝቐረበትፈልጡ ኢኹም።

29. ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ኪኸውን ከሎ እንተ ርኤኹም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ ፍለጡ

30. እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍብሓቂ ኣብለኩም አሎኹ።

31. ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

32. ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።

33. እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑን ጸልዩን

34. ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፥ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሃቦምንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡንሓላው ደገውን ኪነቅሕ ኣዘዞ

35-36. እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆብድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ

37. እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዅሉ እብሎ አሎኹ፥ ንቕሑ