1. ብምስላ ድማ ኪብሎም ጀመረስብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለሓጹር ሐጸሮመሓምተሊ ኸኣ ኰዓተሉግምቢውን ሰርሓሉንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ድማ ገሸ

2. ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቶም ዓየይቲ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ፡ ናብቶም ዓየይቲ ባርያኡ ለኣኸ

3. ንሳቶም ግና ሒዞም ገሪፎምጥራይ ኢዱ ሰደድዎ

4. ከም ብሓድሽ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸንእኡ ኸኣ ርእሱ ብእምኒ ፈግእዎኣሕሲሮምውን ሰደድዎ

5. ካልእ ድማ ለኣኸንእኡውን ቀተልዎብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኦም ገረፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም

6. ገና ዜፍቅሮ ሓደ ወዲ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ፥ እስኪ ንወደይ እንተ ሐፈርዎኢሉ ንእኡ ናባታቶም ለኣኾ

7. እቶም ዓየይቲ ግና፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ኪኸውንተበሃሃሉ

8. ሒዞም ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወጻኢ ደርበይዎ

9. እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሕጂ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንኻልኦት ኪህቦም እዩ።

10-11. እታ፥ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም፧

12. ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆም ግና፡ ሐዲጎምዎ ኸዱ

13. ብዘረባ ኺጠልፍዎ ኸኣ፡ ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄሮድሳውያንን ሓያሎ ሰደዱሉ

14. መጺኦም ድማ፡ መምህርመገዲ ኣምላኽ ደኣ ብሓቂ ትምህር አሎኻ እምበር፡ ነዚ ነቲ ኣይትብልን ኢኻ እሞ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ዘይተዳሉ ሓቀኛ ምዃንካ ንፈልጥ አሎና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ንሃብዶ ኣይንሃብ፧ በልዎ

15. የሱስ ግብዝናኦም ፈሊጡስለምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ዲናር ክርእዮ ኣምጽኡለይበሎም

16. ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ፥ እዝስ ስእሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳርበልዎ

17. የሱስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሃቡ፡ ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ገረሞም

18. ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጹ፡ ከምዚ ኢሎምውን ሐተትዎ

19. መምህርሓዉ ዝሞቶ ዘበለ ውሉድ ከይወለደውን ሰበይቱ እንተ ሐደገ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፡ ንሓዉ ዘርኢ የቝመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና

20. ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወውሉድ ከይሐደገ ኸኣ ሞተ

21. እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳሐድጊ ኸይሐደገውን ሞተ። እቲ ሳልሳይ ኸኣ ኸምኡ

22. ሾብዓቲኦም ከኣ ሓድጊ ኣይሐደጉንድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት

23. ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ምስ ተንስኡስሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧

24. የሱስ ከኣ፥ መጻሕፍቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧

25. ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዚዀኑ እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም

26. ብዛዕባ ምዉታት ከም ዚትንስኡኸ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴኣምላኽ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፥ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ ኢሉ ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧

27. ንሱ ናይ ህያዋን ኣምላኽ እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣዚኩም ትስሕቱ አሎኹም፡ ኢሉ መለሰሎም።

28. ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ፥ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ

29. የሱስ መለሰእታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፥ እስራኤልስማዕእግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር።

30. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ።

31. እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን

32. እቲ ጸሓፊ ኸኣ፥ መምህርብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን

33. ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ፡ በሎ።

34. የሱስ ድማ፡ በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ፥ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካንበሎደጊሙ ኺሐቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን

35. የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ መለሰ በለውንጸሓፍቲ ኸመይ ኢሎም እዮም፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዝብሉ

36. ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስጐይታ ንጐይታይንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥበሎይብል

37. ዳዊት ባዕሉ ጐይታይ ካብ ዚብሎ ደኣ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይዀኖ፧ እቶም ብዙሓት ሰብ ድማ ባህ ኢልዎም ሰምዕዎ

38-39. ብምህሮኡ ኸኣ በሎም፥ ካብቶም ነዊሕ ባርኖስ ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ኪሳለምዎም ዚፈትዉን ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ ምቕማጥኣብ መኣዲ ኸኣ ስፍራ ኽብሪ ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ

40. ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡኬምስሉ ኸኣ ጸሎት የንውሑእዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።

41. የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረአየብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ

42. ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክልኣውደቐት

43. ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐትብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

44. ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።