1. ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሃሮም

2. ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦምሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ

3. ንሱ ግና፡ ሙሴኸ እንታይ ኣዘዘኩም፧ ኢሉ መለሰሎም

4. ንሳቶም ከኣ፡ ሙሴስ ጽሕፈት መፍትሒኣ ጺሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፡ በልዎ

5. የሱስ ከኣ በሎም፡ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሐፈልኩም

6. ካብ መጀመርያ ፍጥረት ግና ኣምላኽሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም

7. ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ

8. ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑስለዚ ድማ ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን

9. እምበኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስሰብ ኣይፍለዮ

10. ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ሐተትዎ

11. ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወ

12. እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም።

13. ንቘልዑ ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎም

14. የሱስ እዚ ምስ ረአየኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎምቈልዑ ናባይ ይምጽኡመንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም

15. ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

16. ሓቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም

17. ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየተምበርኪኹውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ

18. የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን

19. ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ አሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተልኣይትዘሙኣይትስረቕብሓሶት ኣይትመስክርኣይትዓምጽኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ።

20. ንሱ ኸኣ፡ መምህርእዚ ዅሉስ ካብ ንእስነታይ ጀሚረ እሕልዎ አሎኹ፡ በሎ

21. የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካኪድዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ

22. ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍኤብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሃየ ኸደ

23. የሱስ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናጠመተ ንደቀ መዛሙርቱገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ፡ በሎም

24. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙየሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎምደቀይ ብጥሪት ንዚእመኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ

25. ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል

26. ብዙሕ ተገሪሞም ንሓድሕዶም፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎተባሃሀሉ

27. የሱስ ጠሚትዎምንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበርንሰብሲ ኣይከአሎን እዩ፡ በለ

28. ጴጥሮስእንሆንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዓብናካኪብሎ ጀመረ

29. የሱስ መለሰ በለውንምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤትወይ ኣሕዋትወይ ኣሓትወይ ኣቦወይ ኣደወይ ሰበይቲወይ ውሉድወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡

30. ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤትኣሕዋትኣሓትኣደውሉድግርሁሚእቲ ካዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ

31. ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮትዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።

32. ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡ እቶም ዚስዕቡ ዘለዉውን ፍርሁከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ዚመጾ ዘሎ ኺነግሮም ጀመረ

33. እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍርዲ ሞት ኪፈርዱሉነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም።

34. ኬላግጹሉጡፍ ኪብሉሉ፡ ኪገርፍዎኪቐትልዎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም።

35. ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦምመምህርዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ አሎና፡ በልዎ

36. ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም

37. ንሳቶም ድማ፡ ኣብቲ፡ ኽብርኻ ሓዴና ኣብ የማን ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ሃበናበልዎ

38. የሱስ ግና፥ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኩም። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ይከኣለኩም ድዩ፧ በሎም

39. ንሳቶም ከኣ፥ ይከኣለና እዩ፡ በልዎየሱስ ከኣ፥ ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ፡ ነታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም

40. ኣብ የማነይ ኣብ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም።

41. እቶም ዓሰርተ ሰሚዖምብያእቆብን ዮሃንስን ኪናደዱ ጀመሩ

42. የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም።

43. ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነንእቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን

44. ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን

45. ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።

46. ኣብ ያሪኮ ድማ ኣተወ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕዉር ወዲ ጢሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።

47. የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ፡ ዓው ኡሉየሱስ ወዲ ዳዊት ምሐረኒኪብል ጀመረ

48. ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና፥ ኣታ ወዲ ዳዊትምሐረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ

49. የሱስ ድማ ደው ኢሉ፥ ጸውዕዎበለ። ነቲ ዕዉር ከኣ ጸዊዖምኣጆኻተንስእይጽውዓካ አሎ፡ በልዎ

50. ተንሲኡባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ

51. የሱስ ድማ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕዉር ከኣ፥ ረቡኒክርኢበሎ

52. የሱስ ከኣ፥ ኪድእምነትካ ኣሕወየትካበሎብኡብኡ ረአየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዓቦ