1. ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሃሮም።
2. ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
3. ንሱ ግና፡ ሙሴኸ እንታይ ኣዘዘኩም፧ ኢሉ መለሰሎም።
4. ንሳቶም ከኣ፡ ሙሴስ ጽሕፈት መፍትሒኣ ጺሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፡ በልዎ።
5. የሱስ ከኣ በሎም፡ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሐፈልኩም።
6. ካብ መጀመርያ ፍጥረት ግና ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም።
7. ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ፡
8. ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ። ስለዚ ድማ ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን።
9. እምበኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።
10. ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ሐተትዎ።
11. ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወ።
12. እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም።
13. ንቘልዑ ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎም።
14. የሱስ እዚ ምስ ረአየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም።
15. ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
16. ሓቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።
17. ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኹውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ።
18. የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን።
19. ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ አሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትዓምጽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ።
20. ንሱ ኸኣ፡ መምህር፡ እዚ ዅሉስ ካብ ንእስነታይ ጀሚረ እሕልዎ አሎኹ፡ በሎ።
21. የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ።
22. ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍኤ፡ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሃየ ኸደ።
23. የሱስ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናጠመተ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ፡ በሎም።
24. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙ። የሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎም፡ ደቀይ ብጥሪት ንዚእመኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ።
25. ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።
26. ብዙሕ ተገሪሞም ንሓድሕዶም፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከአሎ፧ ተባሃሀሉ።
27. የሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከአሎን እዩ፡ በለ።
28. ጴጥሮስ፥ እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዓብናካ፡ ኪብሎ ጀመረ።
29. የሱስ መለሰ በለውን፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡
30. ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ካዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ
31. ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።
32. ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡ እቶም ዚስዕቡ ዘለዉውን ፍርሁ። ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ዚመጾ ዘሎ ኺነግሮም ጀመረ፥
33. እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍርዲ ሞት ኪፈርዱሉ፡ ነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም።
34. ኬላግጹሉ፡ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ኪገርፍዎ፡ ኪቐትልዎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም።
35. ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ አሎና፡ በልዎ።
36. ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም።
37. ንሳቶም ድማ፡ ኣብቲ፡ ኽብርኻ ሓዴና ኣብ የማን ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ሃበና፡ በልዎ።
38. የሱስ ግና፥ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኩም። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ይከኣለኩም ድዩ፧ በሎም።
39. ንሳቶም ከኣ፥ ይከኣለና እዩ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፥ ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ፡ ነታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም።
40. ኣብ የማነይ ኣብ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም።
41. እቶም ዓሰርተ ሰሚዖም፡ ብያእቆብን ዮሃንስን ኪናደዱ ጀመሩ።
42. የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፥ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም።
43. ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን።
44. ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን።
45. ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።
46. ኣብ ያሪኮ ድማ ኣተወ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕዉር ወዲ ጢሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።
47. የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ፡ ዓው ኡሉ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሐረኒ፡ ኪብል ጀመረ።
48. ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና፥ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ።
49. የሱስ ድማ ደው ኢሉ፥ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕዉር ከኣ ጸዊዖም፥ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ አሎ፡ በልዎ።
50. ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ።
51. የሱስ ድማ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕዉር ከኣ፥ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ።
52. የሱስ ከኣ፥ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረአየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዓቦ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...