1. ኣቱም ካህናት ሕጂውን እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንኣኻትኩም እያ።
2. ምስማዕ እንተ ኣቤኹም፣ ብልብኹም ንስመይ ከተኽብሩ እንተ ዘይደሌኹም፣ መርገም ክሰደልኩም፣ ንበረኽትኹምውን ክረግሞ እየ። ብልብኹም ኣይደሌኹምን ኢኹም እሞ፣ ኤረ ድሮ እኳ ረጊመዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
3. እንሆ፣ ንዘርእኹም ክገንሖ እየ፣ ኣብ ገጽኩም ዒባ፣ ነቲ ዒባ በዓላትኩም፣ ክብትነልኩም እየ፣ ምሳኡውን ኬውጽኡኹም እዮም።
4. ቃል ኪዳነይ ምስ ሌዊ ኪኸውንሲ፣ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣነ ኸም ዝሰደድኩልኩም ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
5. ቃል ኪዳነኡ ምስኡ ህይወትን ሰላምን ነበረ፣ እዚ ኺፈርህ ኢለ ሀብክዎ፣ ንሱ ኸኣ ፈርሃኒ፣ ኣብ ቅድሚ ስመይውን ኣንቀጥቀጠ።
6-7. ንሱ ልኡኻኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝዀነ፣ ከነፍሩ ካህ ፍልጠት ይሕልዋ፣ ንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዮ እዩ እሞ፣ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ፣ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ በደል ኣይትረኽበን፣ ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ ባአሳ መለሰ።
8. ንስኻትኩም ግና ካብ መገዲ ኣግለስኩም፣ ንብዙሓት ብሕጊ ኣዐንቀፍኩም፣ ነቲ ቓል ኪዳን ሌዊ ኣፍረስኩም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
9. ስለዚ ኣነውን፣ ከምቲ ንስኻትኩም መገደይ ዘይሐሎኹም፣ ብሕጊ ኸኣ ገጽ ሰብ ዘድሎኹም፣ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንዑቓትን ሕሱራትን ገበርኩኹም።
10. ንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና፡ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና፡ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም፡
11. ይሁዳ ነቲ ዘፍቅሮ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ነገር ኣርኪስዎ፣ ጓል ጓና ኣምላኽ ከኣ ተመርዕዩ እዩ እሞ፣ ይሁዳ ጠለመ፣ ኣብ እስራኤልን ኣብ የሩሳሌምን ድማ ጽያፍ ተገብረ።
12. እግዚኣብሄር ነቲ ኸምዚ ዚገብር ሰብ፣ ነቲ ዚነቅሕን ምላሽ ዚህብን፣ ነቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መስዋእቲ ዜቕርብን ካብ ድንኳናት ያእቆብ ኬጥፍኦም እዩ።
13. ካላ ድማ እዚ ገበርኩም፣ ንመሰውኢ እግዚኣብሄር ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይዋይታን ከደንኩምዎ እሞ፣ ደጊም ንሱ ነቲ መስዋእቲ ኣይጥምቶን፣ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ኣይቅበሎን።
14. ስለምንታይ እዩ፡ ከኣ ትብሉ አሎኹም። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻ ንብዓልቲ ቓል ኪዳንካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ።
15. ሓደዶ ኣይኰነን ነዚ ዝገበረ፧ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓደኸ ስለምታይ እዩ ነዚ ገበሮ፧ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልዉ፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም።
16. ምፍትሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
17. ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣድከምኩምዎ። ብምንታይ እሞ ኢና ዘድከምናዮ፧ ድማ ትብሉ። ንስኻትኩም፡ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ንሱ ብእኦም ባህ ይብሎ፡ ወይስ ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ አሎ፧ ብምባልኩም እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...