1. ኣቱም ካህናት ሕጂውን እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንኣኻትኩም እያ።

2. ምስማዕ እንተ ኣቤኹም፣ ብልብኹም ንስመይ ከተኽብሩ እንተ ዘይደሌኹም፣ መርገም ክሰደልኩምንበረኽትኹምውን ክረግሞ እየ። ብልብኹም ኣይደሌኹምን ኢኹም እሞ፣ ኤረ ድሮ እኳ ረጊመዮምይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

3. እንሆ፣ ንዘርእኹም ክገንሖ እየ፣ ኣብ ገጽኩም ዒባ፣ ነቲ ዒባ በዓላትኩምክብትነልኩም እየ፣ ምሳኡውን ኬውጽኡኹም እዮም።

4. ቃል ኪዳነይ ምስ ሌዊ ኪኸውንሲ፣ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣነ ኸም ዝሰደድኩልኩም ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

5. ቃል ኪዳነኡ ምስኡ ህይወትን ሰላምን ነበረ፣ እዚ ኺፈርህ ኢለ ሀብክዎ፣ ንሱ ኸኣ ፈርሃኒ፣ ኣብ ቅድሚ ስመይውን ኣንቀጥቀጠ

6-7. ንሱ ልኡኻኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝዀነ፣ ከነፍሩ ካህ ፍልጠት ይሕልዋንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዮ እዩ እሞ፣ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ፣ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ በደል ኣይትረኽበን፣ ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ ባአሳ መለሰ።

8. ንስኻትኩም ግና ካብ መገዲ ኣግለስኩምንብዙሓት ብሕጊ ኣዐንቀፍኩም፣ ነቲ ቓል ኪዳን ሌዊ ኣፍረስኩምይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

9. ስለዚ ኣነውን፣ ከምቲ ንስኻትኩም መገደይ ዘይሐሎኹምብሕጊ ኸኣ ገጽ ሰብ ዘድሎኹም፣ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንዑቓትን ሕሱራትን ገበርኩኹም

10. ንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና፡ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና፡ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም

11. ይሁዳ ነቲ ዘፍቅሮ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ነገር ኣርኪስዎጓል ጓና ኣምላኽ ከኣ ተመርዕዩ እዩ እሞ፣ ይሁዳ ጠለመ፣ ኣብ እስራኤልን ኣብ የሩሳሌምን ድማ ጽያፍ ተገብረ

12. እግዚኣብሄር ነቲ ኸምዚ ዚገብር ሰብ፣ ነቲ ዚነቅሕን ምላሽ ዚህብን፣ ነቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መስዋእቲ ዜቕርብን ካብ ድንኳናት ያእቆብ ኬጥፍኦም እዩ።

13. ካላ ድማ እዚ ገበርኩምንመሰውኢ እግዚኣብሄር ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይዋይታን ከደንኩምዎ እሞ፣ ደጊም ንሱ ነቲ መስዋእቲ ኣይጥምቶን፣ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ኣይቅበሎን

14. ስለምንታይ እዩ፡ ከኣ ትብሉ አሎኹም። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻ ንብዓልቲ ቓል ኪዳንካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ።

15. ሓደዶ ኣይኰነን ነዚ ዝገበረ፧ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓደኸ ስለምታይ እዩ ነዚ ገበሮ፧ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልዉ፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም

16. ምፍትሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

17. ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣድከምኩምዎ። ብምንታይ እሞ ኢና ዘድከምናዮ፧ ድማ ትብሉ። ንስኻትኩም፡ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ንሱ ብእኦም ባህ ይብሎ፡ ወይስ ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ አሎ፧ ብምባልኩም እዩ።