1. ጾር ቃል እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ሚልክያስ

2. ኣነ ኣፍቀርኩኹምይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ ኢኻ ዘፍቀርካናትብሉ አሎኹም። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልኤሳውሲ ሓው ያእቆብዶ ኣይኰነን፧ ምስናይ እዚውን ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ

3. ንኤሳው ግና ጸላእክዎነኽራኑ ኣባደምክዎርስቱውን ንወኻሩ ምደረበዳ ሀብክዎ።

4. ኤዶም ድማ፡ ፈረሰና፡ ግናኽ ነቲ ዝፈረሰ ተመሊስና ኽንሰርሖ ኢና፡ እንተ በለእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ይብል፡ ንሳቶምሲ ኺሰርሑ እዮም፡ ኣነ ግና ከፍርስ እየ፡ ዶብ ረሲእነትን እግዚኣብሄር ንሓዋሩ እተቘጥዖ ህዝብን፡ ኢሎም ኪሰምይዎም እዮም።

5. ኣዒንትኹም ድማ ኪርእያ እየን እሞ፣ እግዚኣብሄር ክንየው ዶብ እስራኤል ይዕበክትብሉ ኢኹም።

6. ንስኻትኩም ስመይ እትንዕቁ እሞ፡ ብምንታይ ንስምካ ነዐቕናዮእትብሉ ኻህናትእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ውሉድ ንወላዲኡ፡ ባርያ ኸኣ ንጐይታኡ የኽብር። እምብኣርሲ ኣቦ እንተ ደኣ ዀይነ፡ ክብረተይ ኣበይ አሎ፧ ጐይታ እንተ ዀይነስ፡ ምፍርሄይ ኣበይ አሎ፧

7. ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጌራ ኣቕሪብኩምሲ፡ ብምንታይ ኣርከስናካትብሉመኣዲ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ ብምባልኩም እዩ።

8. ንመስወኣእቲ ከኣ ዕዉር እንተ ኣቕረብኩምክፉእዶ ኣይኰነን፧ ሓንካስ ወይስ ሕሙም እንተ ኣቕረብኩምሲ፡ ክፉእዶ ኣይኰነን፧ እስኪ እዚ ንምስለኔኻ ኣቕርበሉይሕጐሰልካዶ እዩ፧ ወይስ ኣብኡዶ መጐስ ትረክብ ኢኻ፧ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

9. እምብኣርሲ ሕጂ ኺምሕረና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ለምኑ። እዚ ኻብ ኢድኩም እዩ፣ እሞኸ ገለ ኻባኻትኩምዶ ሞገስ ኪረክብ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

10. ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱስደጌታ ዚዐጹ ዀታ ኻባኻትኩም ሓደ እንተ ዚህሉ። ኣነ ኣይሕጐሰልኩምን ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

11. ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብዪ ስለ ዝዀነ፣ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

12. ንስኻትኩም ግና፣ መኣዲ እግዚኣብሄር ረኺሱረብሓኡ፣ እቲ ምግቡ ሕሱር እዩ፣ ብምባልኩም ተርክስዎ አሎኹም።

13. ንስኻትኩምውን፣ ኣኣየ ኽንደይ ድኻምትብሉኡፍ ድማ ትብሉሉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትእተዘምተን ሕንካስን ሕሙምን ተምጽኡ፣ ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

14. ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየ፣ ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ እተፈርሄ እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ መጓሲኡ ተባዕታይ ዘለዎ፣ ተመባጺዑ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዚስውኣሉ ጠባርስ ርጉም ይኹን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት