1. ከመይ ኢሉኸ እቲ ወርቂ ጸለመ፡ እቲ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ ተለወጠኣእማን እታ መቕደስ ኣብ መኣዝን ኲሉ ኣደባባያት ተዘርወ

2. እቶም ጭዋታት ደቂ ጽዮን፡ ከም ጽሩይ ወርቂ ዝኸበሩከመይ ኢሎምከ ኸም ኣቓሑ መሬት፡ ከም ስራሕ ኣእዳው ሰራሕ መሬት ተቘጽሩ።

3. ወኻሩ እኳ ኸይተረፈ፡ ኣጣባተን ሂበንንዀራኲረን የጥብዋ። እታ ጓል ህዝበይ ግና ከም ሰገን በረኻ ጨከነት

4. ልሳን እቲ ዕሸል ብጽምኢ ኣብ ትንሓጉ ጠበቐቈልዑ እንጌራ ይልምኑዚቘርሰሎም ከኣ የልቦን።

5. እቶም ጥዑም ምግቢ ዚበልዑ ዝነበሩ ኣብ ኣደባባያት ይወድቁ። እቶም ብቐይሕ ሃሪ ዝዐበዩ ጐድፍ ይሐቚፉ

6. ኣበሳ እታ ጓል ህዝበይ ካብታ ኣእዳው ከይተንከያብድንገት እተገልበጠት ሶዶም፡ ካብ ሓጢኣታ ይዐቢ

7. መሳፍንቲ ኻብ በረድ ዜንጸባርቑ፡ ካብ ጸባ ዚጽዕድዉስጋኦም ካብ ቀይሕ ዕንቊ ዚቐይሕመልክዖም ከም ሰፊሮስ ነበረ።

8. ገጾም ካብ ጸሊም ይጽልም፡ ኣብ ኣደባባያት ኣይልለዩንቈርበቶም ኣብ ዓጽሞም ጠቢቑነቒጹ ኸም ዕጨይቲ ዀይኑ አሎ።

9. ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ ብሰይፊ ዝሞቱ ይሔሾምፍረ ምድሪ ስለ እተሳእነ፡ ተወጊኦም ይማስኑ

10. ርሕሩሓት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፡ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።

11. እግዚኣብሄር ነድሩ ፈጸመርሱን ቊጥዓኡ ኸዐወመሰረታታ ሞዂ ዘበለ ሓዊ ኣብ ጽዮን ኣንደደ

12. ነገስታት ምድርን ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዂሎምንሲ ተጻራርን ጸላእን ብደጌታት የሩሳሌም ከም ዚኣቱ፡ ከቶ ኣይአመኑን ነይሮም።

13. ብምኽንያት ሓጢኣት ነብያታን ብሰሪ ኣበሳ ኻህናታን፡ ንሳቶም ኣብ ማእከላ ደም ጻድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዚ ዀነ።

14. ሰብ ክዳውንቶም ንምትንካይ ክሳዕ ዚፍንፍን፡ ብደም ዝላላ ዀኑ፡ ከም ዕውራት ኰይኖም ኣብ ኣደባባያት ዕግንግን ይብሉ አለዉ።

15. ርሐቑ፡ ኣቱም ርኹሳትርሐቑ፡ ርሐቑ ኣይትተንክዩ፡ ኢሎም ይጭድሩሎምሀዲሞም ኰብለል በሉ። ኣብ ማእከል ህዝብታትድሕርዝስ ኣብዚ ኣይኪቕመጡን እዮም፡ ተባህለ

16. ገጽ እግዚኣብሄር ፋሕ ኣበሎም፡ መሊሱ ቚሊሕ ኣይብሎምን፡ ንሳቶም ንኻህናት ኣየኽበሩንንኣረገውቲ ኸኣ ኣይደንገጹን

17. ንኸንቱ ደገፍ እናጠመትና፡ ገና ኣዒንትና ደኺመን ኣለዋ። ብምጽባይናስ ነቲ ምድሓን ዘይከኣሎ ህዝቢ ተጸቤና

18. በደባባይና ኸይንኸይድስጓሞና ይስልዩመወዳእታና ቐረባመዓልትታትና ኣኸለመወዳእታና በጽሔ

19. ሰጐጒትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ቀልጠፉ፡ ኣብ ኣኽራን ሀደኑና፡ ኣብ ምድረ በዳ ኣድበዩልና

20. እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፡ ብዛዕባኡ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ኽንነብር ኢና፡ ዝበልናዮ መተንፈስ ትንፋስና ኣብ ጐደጒዶም ተታሕዘ

21. ኣቲ ኣብ ሃገር ኡጽ እትነብሪ ጓል ኤዶምተሐጐሲደስ ይበልኪ፡ እቲ ጽዋእሲ ናባኺውን ኪሐልፍ እዩ፡ ክትሰክርን ጥራይኪ ኽትኰንን ኢኺ።

22. ኣቲ ጓል ጽዮንኣበሳኺ ተወድኤደጊምሲ ኣይኬማርኽክን እዩ። ኣቲ ጓል ኤዶም፡ ኣበሳኺ ኪቘጽር እዩ፡ ሓጢኣትኪ ኺገልጽ እዩ።