1. እዛ ህዝቢ ጃርጃር ዚብለላ ኸተማ ኸመይ ኢላ እያ ጸምያ እትቕመጥ ዘላ፡ እዛ ኣብ ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት ከመይ ኢላ መበለት ኰነት፡ እዛ ወይዘሮ ኣውራጃታትሲ ገባር ኰነት።

2. ለይቲ ብኽያት ትበኪንብዓታ ኣብ ምዕጒርታ ይውሕዝ፡ ካብ ኲሎም እቶም ፈተውታ ሓደ እኳ የልቦን ዜጸናንዓ፡ ኲሎም ኣዕሩኻ ጠለምዎ እሞ ጸላእታ ዀኑ።

3. ብሰሪ ሓሳርን ብርቱዕ መግዛእትን ይሁዳ ተማሪካ አላ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሰፊራህድኣት ከኣ ስኢና አላ፡ ኲሎም ተሳጐጒታ ኣብ ጸበባኣ ኣርከብዋ

4. ናብ በዓል ዚመጽእ የልቦን እሞ፡ መገድታት ጽዮን ይሐዝን፡ ኲሉ ደጌታታ ዖንዩካህናት ይትክዙ አለዉ። ደናግላ ጒህየን፡ ንሳ ድማ ተመሪራ አላ።

5. ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኣ እግዚኣብሄር ሓዘን ኣውረደላ እሞ፡ ወደረኛታታ ርእሲ ዀኑ፡ ጸላእታ ይቐንዖም አሎ። ደቃ ተማሪኾም ቀቅድሚ ጸላኢ ኸዱ

6. ኵሉ ግርማ ጓል ጽዮን ካብኣ ኣግለሰመሳፍንታ ኸም ዚብላዕ ዝሰኣና እራባት ኰኑ፡ ቀቅድሚ ሰጓጒ ንምህዳም ተሐለሉ

7. የሩሳሌም ብመዓልትታት መከራኣን ምዂብላላን ናይ ጥንቲ ኽቡር ገንዘብ ትዝክር አላ። ህዝባ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑስ ረዳኢ ምስ ሰኣነ፡ ጸላእቲ እናሽካዕለሉ ጥፍኣታ ረኣዩ

8. የሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገበረት፡ ስለዚ ኸም ርኽስቲ ዀነት፡ እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ ዂሎም ዕርቃና ርእዮም ነዐቕዋ። ንሳውን እህህ እናበለት ንድሕሪት ትምለስ አላ።

9. ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና አሎ፡ መወዳእታኣ ኣይሐሰበቶን፡ ስለዚ ምውራዳ መስደምም እዩ፡ ዜጸናንዓውን የልቦን፡ ጻላኢ ይዕበ አሎ እሞ፡ ዎ ጐይታይጸበባይ ርኤ

10. ኣብ ማእበርካ ኸይኣትው ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ ኣብ መቕደሳ ኺኣትዉ ረአየት እሞ፡ ኣብ ኲሉ ኽቡር ጥሪታ ጸላኢ ኢዱ ዘርግሔ

11. ኲሉ ህዝባ እናተከዘ እንጌራ ይደሊ አሎ፡ ነፍሶም ክትቀስንሲ ኽቡር ጥሪቶም ንምግቢ ሀቡዎ ጐይታተዋሪደ እየ እሞ፡ ርኤ ጠምትውን

12. ኣቱም ሐለፍቲ መገዲ ዂላትኩም እስከ ኣስተዋድይዎ፡ ከምቲ በታ መዓልቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እግዚኣብሄር ዘጒሀየኒ ሓንቲ ስቓይ ከምታ እተቐጻዕኩላ ስቓየይ እንተ ኣልያስጠምቱ እሞ ተመልከቱ

13. ካብ ላዕሊ ናብ ኣዕጽምተይ ሓዊ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ኣሕመቖነእጋረይ መፈንጠራ ዘርግሔንድሕሪት ድማ መለሰኒኣብረስኒ ንዂሉ መዓልቲውን ኣማህመነኒ

14. ኣርዑት ኣበሳይ ብኢዱ ተኣስረተጠላሊፉ ኣብ ክሳደይ ተነብረ፡ ንሱ ሓይለይ ኣድከመጐይታ ኣብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ኣሕሊፉ ወፈየኒ

15. እግዚኣብሄር ንዂሎም ጀጋኖይ ኣብ ማእከለይ ራዕ ኣበሎምኣጒባዘይ ኪጭፍልቕኣኼባ ኣኽተተለይ። ጐይታ ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ረገጻ

16. ስለዚ ኣነ እበኪኣዒንተይ፡ ኣዒንተይ ንብዓት ይዝቈቛንነፍሰይ ዜቕስና መጸናንዒ ኻባይ ርሒቑ እዩ እሞ፡ ጸላኢ ስለ ዝሰዐረደቀይ በረሱ

17. ጽዮን ኣእዳዋ ትዝርግሕዜጸናንዓ ኣይተረኽበን። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ዚኸብዎ ጸላእቲ ኣዘዘሉየሩሳሌም ኣብ ማእከሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።

18. ንኣፉ ተጻሪረ ነይረ እየ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እይ። ኣቱም ህዝብታት ኲላትኩም፡ ስምዑ ስቓየይውን ርኣዩደናግለይን ኣጒባዘይን ተማሪኾም ከዱ

19. ንፈተውተይ ጸዋዕክዎም፡ ግናኸ ኣስሐቱኒካህናተይን ዓበይተይን ነፍሶም ኬቕስኑምግቢ ኺልምኑ ኸለዉ ኣብ ከተማ ሐለቑ

20. ዎ እግዚኣብሄርሐዚነ ኸም ዘሎኹ ርኤኣዝየ ተጻሪረ እየ እሞ ኣምዑተይ ተዀሰልበይ ኣብ ውሽጠት ተገልበጠ፡ ደቀይ ኣብ ግዳም ብሰይፊ ተወድኤ፡ ኣብ ከብዲ ቤት ከኣ ከም ሞት አሎ፡

21. ቊዝማይ ስምዑዜጸናንዓኒ የልቦን። ኲሎም ጸላእተይ መከራይ ሰምዑ፡ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ተሐጐሱ። ነታ ዝበልካያ መዓልቲ ኸተምጽኣ ኢኻ፡ ሽዑ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ እዮም።

22. ኲሉ እከዮም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕብኽያተይ በዚሑልበይ ተሐሊሉ እዩ እሞ፡ ከምቲ ብሰሪ ዂሉ ኣበሳይ ዝገበርካኒ፡ ከምኡ ድማ ንኣታቶም ግበሮም