1. ኣነ ብሸቦጥ ቊጥዓኡ ሽጋር ዝርኤኹ ሰብኣይ እየ።

2. ንሱ መርሓኒ፡ ብብርሃን ዘይኰነስ ብጸልማት ወሰደኒ

3. ብሓቂ መመሊሱ መዓልቲ ብመልኣ ኢዱ ኣባይ ይመልስ አሎ።

4. ንስጋይን ቈርበተይን ኣእረጎንዓጻጽምተይ ሰበሮ

5. ኣብ ከባብየይ ቀጽሪ ሰርሔብመርዝን ድኻምን ከኣ ሓጸረኒ

6. ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት ኣንበረኒ

7. ከይወጽእሲ ብመንደቕ ከበበኒ፡ ንሰንሰለተይ ኣኽበዶ

8. እንተ ጠራዕኩን ኣእዌኹን እኳ፡ ንጸሎተይ መሕለፊ ዐጸወሉ

9. ብቕሩጽ እምኒ ንጐደናታተይ ዐጸዎንመገድታተይ ጥውጥዋይ ገበሮ።

10. ከም ዘድበየ ድቢተሐቢኡ ኸም ዚቃጾ ኣንበሳ ዀነኒ።

11. ንመገደይ ኣዘምበሎሰባበረኒ ኣዕነወኒውን

12. ቀስቱ ገተረንፍላጻ ኸኣ ዕላማ ገይሩ ኣቘመኒ

13. ብፍላጻታት ጒልድባኡ ዀላሊተይ ወግኤ

14. መላገጺ ዂሉ ህዝበይመዓልቲ ብመልኣ መድረፊኦም ኰንኩ።

15. ብመሪር ኣጽገበኒዕረ ኣስተየኒ

16. ኣስናነይ ብጸጸር ሰበረብሓመዂስቲ ኣጐልበበኒ

17. ነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሐቕካ፡ ነቲ ጽቡቕ ረሳዕክዎ

18. ኣነ ኸኣ፡ ሓይለይን ብእግዚኣብሄር ተስፋይን ህልም በለበልኩ

19. ሽጋረይን ኰብለል ምባለይን፡ እቲ ዕረን መርዝን ዘክር

20. ነፍሰይ ከየባተኸት ትዝክሮ፡ ኣብ ውሽጠይ ከኣ ደኒና አላ።

21. እዚ ኣብ ልበይ ኤንብር፡ ስለዚ ድማ ተስፋ እገብር።

22. ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ።

23. ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።

24. ነፍሰይሲግደይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ስለዚ ብእኡ ተስፋ እገብር፡ ትብል አላ።

25. እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።

26. ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ።

27. ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ።

28. ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፡ ትም ኢሉ በይኑ ይቀመጥ

29. ምናልባሽ ተስፋ ይህልዎ እዩ፡ ኣፉ ደኣ ኣብ ሓመድ የድንን

30. ንዚወቕዖ መልትሑ ይምለሰሉ ብጸርፊውን ይጽገብ

31. እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ኣይውግድን እዩ እሞ፡

32. እንተ ኣጒህየ እኳ፡ ከምቲ ብዝሒ ጸጋኡ ይርሕርሕ እዩ።

33. ንደቂ ኣዳም ዜዋርዶምን ዜጒህዮምንሲ ብፍታው ልቡ ኣይኰነን።

34. ንዂሎም እሱራት ምድሪ ኣብ ትሕቲ እግሪ ምርጋጾም

35. ኣብ ቅድሚ ገጽ እቲ ልዑል መሰል ሰብኣይ ምቕናኖም

36. ንሰብ ብነገሩ ዓጋቢ ምግባርሲ፡ ነዚዶ እግዚኣብሄር ኣይርእዮን እዩ፧

37. እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞስእተዛረበ እሞ ዝዀነሉ መን እዩ፧

38. ክፉእን ጽቡቕን ካብ ኣፍ እቲ ልዑልዶ ኣይወጽእን እዩ፧

39. ስለምንታይ እቲ ህያው ሰብ የጒረምርም፧ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ የጒረምርም።

40. መገድና ንተዐዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ

41. ልብና ምስናይ ኣእዳውና ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ነልዕል

42. ንሕና በደልናን ዐሎናን፡ ንስኻውን ይቕረ ኣይበልካን።

43. ብዂራ ተጐልበብካን ሰጐጒካናንብዘይ ምሕረት ቀተልካ

44. ጸሎት ከይሐልፍሲደበና ተጐልበብካ

45. ኣብ ማእከል ህዝብታት ጐሓፍን ፍንፋንን ገበርካና

46. ኲሎም ጸላእትና ኣፎም ሃህ ኣበሉልና።

47. ፍርሃትን ጕድጓድን ምፍራስን ጥፍኣትን በጽሓና።

48. ብናይ ምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ ካብ ዓይነይ ውሒዝ ማይ ይውሕዝ አሎ።

49-50. እግዚኣብሄር ኣንቈልቊሉ ኽሳዕ ዚርእን፡ ካብ ሰማይ ክሳዕ ዚጥምትንሲዓይነይ ከይዐረፈን ከየቛረጸን ዘርባሕባሕ ይብል አሎ።

51. ብምኽንያት ኲለን ኣዋልድ ከተማይ ዓይነይ ንነፍሰይ የሕዝና አሎ።

52. እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸም ዑፍ ሀደኑኒ

53. ህይወተይ ኣብ ጒድጓድ ኣጥፍኡ፡ ኣብ ልዕለይ ከኣ እምኒ ደርበዩ

54. ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሐዘ፡ ጥራስ ጠፍእኩበልኩ

55. ካብ መዓሙቚ ጒድጋድዎ እግዚኣብሄርስምካ ጸዋዕኩ

56. ድምጸይ ሰሚዕካ፡ ካብ እህህታይን ጭርሓይን እዝንኻ ኣይትሕብኣዮ

57. በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ ቐረብካኣይትፍራህበልካ

58. ዎ ጐይታይንነገር ነፍሰይ ተጠበቕካንህይወተይ ተበጆኻ

59. ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኤኻፍትሒ ኣውጽኣለይ

60. ኲሉ እቲ ቒሞም፡ ኣባይ ዝጠለፍዎ ዂሉ ውዲቶም ርኤኻ

61-62. ዎ ጐይታይ፡ ኲሉ ጸርፎም፡ ኲሉ ኣባይ ዝጠለፍዎ ውዲቶምከናፍር እቶም ተቓወምተይ፡ ምሉእ መዓልቲ እኩይ ዚመኽሩለይ ሰማዕካ

63. ኣብ ምቕማጦምን ምትንሳኦምን እሞ ጠምት፡ ኣነስ መድረፊኦም ኰይነ አሎኹ።

64. ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ግብሪ ኣእዳዎም ሕነ ፍደዮም

65. ድርቅና ልቢ ሃቦምመርገምካ ኣውርደሎን።

66. ብቚጥዓ ስጐጎም፡ ካብ ትሕቲ ሰማይ እግዚኣብሄር ኣጽንቶም