Definition:
ምህሮ ፍልስፍና ስጦይኮስ (Stoics) - መጀመርታ ብዘኑ በዓል ቂጢም (Zeno of Citium) (335–263 ቅ.ል.ክ.) እተባህለ ፈላስፋ እተመስረተ ምህሮ እዩ። ብመሰረት እዚ ምህሮ፡ ዕላማ ህይወት፡ ሓጎስ ምርካብ ኮይኑ፡ ኣብዛ ውሕስነት ዘይብላ ዓለም፡ ነዚ ሓጎስ እንረኽቦ፡ ብምኽኑይ ኣገባብ ምስ መለኮታዊ ስርዓት ፍጥረት ተሰማሚዕካ ብምንባር ከም ዝኾነ ይምህር። ኩሉ ሰብ፡ እቲ ህይወት እትህበካ፡ ሰላም ይኹን ስቓይ፡ ከም ዘለዎ ክቕበልን፡ ነቲ ቅኑዕ ዝብሃል ክገብርን ከም ዝግብኦ፡ ነዚ ክገብር ከሎ ድማ፡ ዓስቢ ንኽረክብ ዘይኮነስ፡ ቅኑዕ ምግባር እቲ ግቡእ ስለ ዝኾነን ተረዲኡ ክገብሮ ከም ዘለዎ ይምህር። ንፍጥረት ብዝምልከት ምህሮ እስጦይኮስ፡ ኩሉ ፍጥረት መለኮታዊ ምኽንያት ከም ዘለዎን ብእኡ ከም ዝምራሕን ይነግር። ኣምላኽ ድማ፡ እዚ መለኮታዊ ምኽንያት ወይ ስርዓት እንበር ሰብእነት ብዘለዎ ኣምላኽ ከም ዘየለ እዮም ዝኣምኑ። ሞት ድማ ክፋል ህይወት ስለ ዝኾነ ብሰላም ክንቕበሎ ከም ዘሎና እዩ ዝምህር።
Verse: ግብ. 17፡18