Epicureans
ኤጲቁሬዎስ 

Definition:

ምህሮ ፍልስፍና ኤጲቁሬዎስ (Epicureans)- ብኤጲቁረስ (Epicurus) (341-270 ቅ.ል.ክ) እተባህለ ፈላስፋ እተመስረተ ምህሮ እዩ። ብመሰረት እዚ ምህሮ፡ ዕላማ ህይወት፡ ሰላምን ሓጎስን ምርካብ ኮይኑ፡ ኣብዛ ውሕስነት ዘይብላ ዓለም፡ ነዚ ሰላምን ሓጎስን እንረኽቦ፡ ካብ ፍርህን ስቓይን ብምርሓቅ ከም ዝኾነ ይምህር። ንፍጥረት ብዝምልከት ምህሮ ኤጲቁሬዎስ፡ ኩሉ ፍጥረት ካብ ግኡዝ ነገር ጥራይ እተፈጥረን፡ ብሃውሪ ዝንቀሳቐስን ከም ዝኾነ እዩ ዝምህር። ምህሮ ኤጲቁሬዎስ፡ ብብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምኑ፡ እንተኾነ ግና፡ ኣማልኽቲ ካብ ሰብ ኣዝዮም ዝርሓቑ፡ ብዛዕባ ሰብ ግዲ ዘይብሎምን፡ ንሰብ ከም ዘይቆጻጸርዎምን እዮም ዝኣምኑ። ህይወት ድማ እዛ እንነብራ እንበር ድሕሪ ሞት ካልእ ህይወት ከም ዘየለ እዩ ዝምህር።


Verse: ግብ. 17፡18