ግሩም መልእኽቲ ዘፍጥረት

Posted on 2012-01-02 · 1647 · 0 · 2

32 resources uploaded

ነፍሲ ወከፍ ሕጥቦ ጹሑፍ ወይ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረቱን እየን ዘርእያን ዘግህዳን። ነዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ ንምህናጽና ንምምዓድና ነቲ ሓቐኛ መንገዲ ከርእየና ዝተጻሕፈልና። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ጋህ ኣቢሉ እዩ ዘርእየና። ማእከለያ ሕመረት መጽሓፍ ቁዱስ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ ዝብል እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ሰባት ብዘይኣፈላላይ ንፍጥረት ብማዕረ በዱ ብየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ እዩ። ነዚ ፍቕሪ እዚ ዝገልጸልና መጽሓፍ ከኣ እቲ እንኰ ቃል ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክጸሓፍ ከሎ ታሪኽ ክነግረና ጥራይ ዘይኰነ ዕላማ ኣምላኽ ንዓና ንደቂ ሰባት እንታይ ምዃኑ ከርእየናን ክገልጸልናን እዩ። ኣብዚ ጥቕሉል መጽሓፍ ድማ ንነፍሲወከፍና ዝኸውን መልእኽትን ሓሳብ ኣምላኽን ኣሎ። ዳዊት ኣብዚ ቓል እዚ ንህይወት ዝኸውን ለውጢ ከም ዘሎ ፈሊጡ ድማ እዩ ኣብ ቃልካ ተኣምራት ክርኢ የዒንተይ ክፈተለይ ዝበል። እወ ብምስትውዓል እንተ ኣቕልብላሉን ኣስተውዒልናዮን ንነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ህይወትና ዝኸውን ተኣምራት ኣለዎ።

ቃሉ ሊእኹ ፈወሶም ካብ ጥፍኣት ጉድጋድ ድማ ኣናገፎም ይብልና። ሎሚ ካብ ዓዘቕቲ ዝኣተናዮ ህይወት ከናግፈና ናይ መንፈስን ነፍስን ፈውሲ ክህበና ዝኽእል እቲ እንኰ ብኣምላኽን ካብ ኣምላኽን ብመንፈሱ ዝመጸ ቃል ኣምላኽ ጥራይ እዩ። እቲ ካባና ዝድለ ልብና ነዚ ቓል እዚ እምብዝ ክናፍቖ እሞ ተኣምራት ኣምላኽ ክንርኢ ኣምላኽ ምስትውዓልና ክኸፍተልና ምልማን ጥራይ እዩ። ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመንገደይ ድማ ብርሃን ተባሂሉ ከም ዘሎ፣ ብብርሃኑ ብርሃን ርኢና ኣብ ውሽጢ ፍጹም ፍቕሪን ሓልዮትን ኣምላኽ ክንርዕም ኣምላኽ ይደግፈና። ኩቡራት ሰማዕትና ቐጺልና ካብዚ ንዓና ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ቓል ክንርኢ ኢና ብፍላይ ካብተን ቀዳሞት ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ዘፍጥረት ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

1 ንጸልማትና ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኣምላኽ
“ኣምላኽ ብመጀምርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነብረት ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነብረ። ኣምላኽ ክኣ፡ ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ኣምላኽ ክኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ፡ ሓንቲ መዓልቲ።” መጽሓፍ ቅዱስና በዛ ጥቕሲ እዚኣያ እትጅምር። ኣብቲ ፈለማ ሰማይን ምድርን ዝተፈጥረሉ እዋን ምድሪ ጥራያን በረኻን ከም ዝነበረት ይነግረና። ከምቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ቃል ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ንዓና እዩ ካብኡ ኸኣ ንህይወትና ዝኸን መንፈሳዊ ትርጉም ኣለዎ። እወ ኣብቲ ምድሪ ጥራያን ዝነበረትሉ እዋን ኣምላኽ ከምኡ ክትቅጽል ኣይሓደገና እንታይ ድኣ ብርሃን ይኹን በለ። ሎሚ ነዚ መልእኽቲ ወይ ጥቕሲ እዚ ናብ ህይወትና ነምጽኣዮ። ህይወትና ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብሰንኪ ዝተፈላለየ ኩነታት ጸልማት ዝኸበባ ጥራያ ዝዀነትሉ ሰዓትን መዓልትን ብዙሕ ግዜ ምኻኑ ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቒ እዩ። ዋላ ሕጂ እውን እንተዀነት በዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ጸልማትን ደረቕን ህይወት ትሓልፍ ትህሉ። ኣብዚ ኸምዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ተስፋ ቑርጸትን ምሕላልን መንፈስ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። በዚ ኸመዚ ክትሓልፍ ከሎኻ ዝረኣየካ መጻኢ ኩሉ ከምቲ ከቢቡካን ገዚኡካን ዘሎ ጸልማት እዩ። ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ጸልማት ስለ ዝዀነ ግብሩ ኩሉ ድማ ብጸልማት ስለ ዝግለጽ ኣብ ጎዕዞ ህይወትና ድማ ግብሪ ጸልማት እናመጸ ንመንገድና ዘጽልምቶ እዋን ሒደት ኣይከን ይኹን ኣምብኣር ኣብዚ ኸምዚ እዋን እቲ ብርሃን ዝኾነ ኣምላኽ እሞ ኸኣ ብየሱስ ኣቢሉ ግብሪ እቲ እኩይ ጸልማይ ከፍርስ ዝተገልጸ ንህይወትና ብብርሃኑ ክልውጣ ከም ዝኽእል እዚ ዝነበብናዮ ናይ ዘፍጥረት ጥቕሲ ይምህረና ኣሎ።

እዚ ኣብዚ ተጠቂሱ ዘሎ ብርሃን ተምሳል ናይቲ ኣብ ጸልማ ብርሃን ይኹን ዝበለ የሱስ ክርስቶስ እዮ። የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ናይ ህይወትና ባዶነት ክምልእ ዝኽእል እዚ መድሓኒ እዚ ጥራይ እዩ ንጸልማትና ከብርህ ዝኽእል ነዚ እዩ ኣብ ወንጌል የውሃንስ 1፣1-6 “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ሎሚ እቲ ንህይወት ዝኸባ ዘሎ ጸልማት በዚ ብርሃን ዝዀነ መድሓኒ ክዋሓጥ እዩ። መድሓኒ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ ብኣይ ዝኣምን ከኣ ኣብ ጸልማት ኣይክመላለስን እየ ኢሉ ኣሎ። ዳዊት ዘማራይ ክዝምር ከሎ “ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ።” ይብል ኣብ መዝ.18፣22። ወሲኹ ኣብ መዝ.27፣1-2 “እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፣ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፣” ብምባል ይዝምር።

ሎሚ ነዚ መንገድን ብርሃንን ዝዀነ መድሓኒ ብርሃን ህይወትና እንተ ጌርናዮ ኣብ ጸልማት ክንስልጥንን ልዕሊኡ ክንመላለስ ንሱ ብርሃን ደጀንና ዀይኑ ድማ ብዕግበትን ርውየትን ክንመላለስ ኢና። እቲ ብርሃን ምስ መጸ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ጸልማት ከርሕቖ እዩ። እቲ ጸልማት እውን ኣብ ቅድሚኡ ኣይክቀውምን እዩ። ብብርሃኑ ድማ ብርሃን ክንርኢ ኢና። ኣብቲ ብርሃን ተቐሚጥና ኸኣ ንብዙሓት ናብ ብርሃን ክንመርሕ ኢና። ብዙሓት ኣብዚ እዋን ነዚ ብርሃን ዘርእየና መን እዩ ይብሉ ኣለው። እቲ ኣብ ህይወቱ ብርሃን ዝረኣየን ዝጠዓመን ሰብ ግና ብርሃን ከርእዮም ኣይጽግሞን እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ብምምልኣት ክገዝኣና ንፍቀደሉ እሞ ብድሕሪኡ ኣብ ህይወትና ፍጹም ብርሃን ኣምላኽን ግሩም ዕገበት ጐይትና ክንምኮርን ኢና።

2 ጐዶሎና ዝመልእ ኣምላኽ
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንእኡ ኣትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ ኢየ በለ።” ኣምላኽ ንሰብ ከም ምስሉን መልኹዕን ጌሩ ፈጢሩ ኣብቲ ብሉጽ ኩሉ ዘለዎ ገነት ኤደን እዩ ኣቐሚጥዎ። ኣብ ልዕሊ ኹሉ ክስልጥን ድማ ምልክን ሓይልን ሂብዎ። ኣምላኽ ንሰብ ፈጢሩ ዋላ ሓደ እኳ ኣየጉደለሉን፣ ዘድልየ ዘበለ ኩሉ ሂብዎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና ኣምላኽ እቲ ዝሓሊ ጐደሎ ድማ ዝፈልጥ ኣዳም በይኑ ክኸውን ኣይደለዮን ደጋፊት ክገብረሉ ደልዩ። እቲ ንዕኡ ዘድልየ ደጋፊት ከኣ ሃቦ ወሲኩ ኣብቲ ካልኣይ ምዕራፍ ናይ ዘፍጥረት “ሰብ ድማ ንኹሉ እንስሳን ነዕዋፋ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ ደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኽኣ ሓንቲ ወሰደ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰብይቱ ገይሩ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ።” ይብለና። እዚ ጥቕሲ እዚ ኣብ ግዜ መርዓ ወይ ሓዳር ዝብሃል ግዜ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ብተወሳኺውን ሓልዮት ኣምላኽ ንሰብ ዘርኢ ግሩም መጸናንዒ ጥቕሲ እዩ።

ኣምላኽ በይኑ ጥራይ እዩ ናይ ሰብ ጐደሎ ዝርዳእን ዝፈልጥን። ኣምላኽ ካብቲ ንሕና እንፈልጦ ንላዕሊ ጐደሎናን ናትና ሃጋፍን ፈሊጡ ዘድልየና ዝመልእ ጐይታና እዩ። ኣዳም ኣብ ዕሩፍ ድቃስ ከሎ እዩ እቲ ጐደልኡ ተመሊኡ። ነዚ እዩ ኣብ መዝሙር ዳዊት 127 “ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ።" ብምባል ብዛዕባ ግሩም ሓልዮት ኣምላኽ ይዛረብ። ሰብ ክንዮ ደጋዊ ነገር ንምርኣይ ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሃጋፍ እሞ ክምላእ ዘለዎ እንታይ ምኻኑ ኣይስተውዕልን እዩ። ኣምላኽ እቲ ፈጣሪ ኩሉ ግና ዘድለየና ዘበለ ይፈልጥ እዩ። ነዚ ኢና ኣብኡ ክንውከልን ክንዓርፍን ዝግብኣና።

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቚመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፡ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።” ብምባል ሓልዮቱ ፍጹምን ጉሩምን ምኻኑ ይነግረና። ነዚ ድማ ኢና ብዘሎ ሓልዮትናን ባህግናን ድሌትናን ኣብኡ ከነውድቖ ዝግብኣና። እቲ ዘድልየና ኣብ ምዱብ ግዜ ከም መጠን ሃብቱ ክብሩ ብክርስቶስ የሱስ ኩሉ ክመልኣልና እዩ። ሓልዮት ኣምላኽ ዝተረደኣ ሰብ ብዝዀነን ዘይኰነን ኣይጭንቕን እዩ። ኣብ ጐደሎኡ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ኣቢሉ ምልኣቱ ከም ዝኸውን ይፈልጥ እዩ። ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ምድርባይ እዩ እቲ እንኰ መገዲ ዓወትን በረኸትን።

ሎሚ ሓልዮት ኣምላኽ ክንርዳእ የድለየና ኣሎ። ብኡ ንነብርን ንወሳወስን ከም ዘሎና ክርድኣና ይግባእ። ከምቲ ኣዳም ዕርፍ ኢሉ ዝደቀሰ ሎሚ እውን ኣብ ኣምላኽ ክንዓርፍን ክንሃድእን ይግብኣና። ሽዑ ሓልዮት ኣምላኽ እምብዛ ክንርድኦን ከነስተማቕሮን ኢና። ሓደ ግዜ ጐይታና መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ ብጃልባ ጌሮም ናብ ሓደ ዓዲ ይከዱ ነበሩ። ኣብ ማእከል እዚ ድማ ዓቢ ማዕበል ተላዕለ። ደቂ መዛሙርቱ በቲ ዝክእልዎ ኩሉ ፈቲኖም ግና ኣይሰለጦም ዳሕራይ ግና ነቲ ኣብ ማእከል ጃልባ ደቂሱ ዝነበረ የሱስ ኣትንስኦዎ። መድሓኒ ኸኣ ኣበይ ኣላ እምነትኩም ብምባል ነቲ ማዕበል ጸጥ ኣብሎ። ብዙሕ ግዜ የሱስ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ኣለኹ ዝበለና ምሳና ከም ዘሎ ሳኣን ብእምነት ኣርጊጽና ዘይምፍላጥና ብገዛእ ርእስና ነቲ ገጢሙና ዘሎ ክንብድህ ሓልዮት ኣምላኽ ንርስዕ። እዚ ንኣምላኽ ኣየሐጉሶን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ዝደሊ ኣምላኽ ከም ዘሎን ነቶም ዝደልዮዎ ኸኣ ዓስቦም ከም ዝህቦም ክፈልጥ ይግባእ እዩ እሞ፣ ካብ ክእለት ገዛእ ርእስናን ወጺና ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ንውደቕ ንሱ ይሓልየልና እዩ ክንጠፍእ ግድና ዘይብሎ ጐይታ ዘይኰነስ ዘድለየና እናሃበ ብሓገስን ብዕረፍትን ክንነብር ዝደለይና ጐደለና ዝምልእ ኣምላኽ እዩ።

3 ዕርቃና ዝሽፍን ኣምላኽ
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም።” ኣብ ዘፍጥረት ሳልሳይ ምዕራፍ እንተ ርእይና ድማ ሓደ ግሩም ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ስራሕ ንርኢ። ከምቲ እቲ ታሪኽ ከም ንፈልጦ ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞም መስመር ምስ ወጹ ማለት ኣበሳ ምስ ፈጸሙ ዕርቃኖም እዮም ወጺኦም። ቐደም ብኽብሪ ኣምላኽ ተሸፊኖም ከለዎ ዘይሓፍሩን ዘይሓንኩን ዝነበሩ ሕጂ ግና ብሰንኪ ኩፉእ ኣበሳ ጥራዮም ምኻኖም ፈሊጦም ብሕንከት ተዋሕጡ። ኣብዚ እዋን እዚ እምብኣር እዩ ኣምላኽ ብፍቕሩን ድንጋጹን ተላዒሉ ዕርቃን ፉጡራቱ ብደበሎ ጌሩ ዝሸፈነ። እዚ ዘመሓላልፎ ረዚን ዝዀነ መልእኽቲ ኣለዎ እዩ። ብደበሎ ጌሩ ዕርቃኖም ክሽፍኖም ከሎ ናይ ግድን ዝፍስስ ደም በጊዕ ክህሉ ኣለዎ እዚ ድማ ተምሳል እቲ ስለ ደቂ ሰባት ክብል ደሙ ዘፍሰሰ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣስታት ኩሉ ብደም ከም ዝነጽህ ከኣ የርእየና ኣሎ። ኣምላኽ በይኑ ጥራይ እዩ ነቲ ውሽጥዊ ዕርቃን ሰባት ክሽፍን ዝኽእል።

ኣዳምን ሄዋንን ካብ ሕፍረቶምን ሕንከተሙን ዝተላዕለ ቖጽሊ በለስ ኣላአጋጊቦም ክሽፍንዎ እዮም ሓሲቦም። ንግዚኡ ሸፈነሎም፣ ግናኸ ንነዊሕ ግዜ ንዕርቃኖም ክሽፍነሎም ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ ግና ከዲንዎም። ነቲ ብሰንኪ ዘይምእዛዝና ኣብ ህይወትና ዝወረደ ዕንወት ክኣልዮ ዝኽእል እንኰ መገዲ በቲ ንሕና ንጣበቦ ጥበበ ወይ መንገዲ ዘይኰነስ ብኣምላኽ እዩ። ሎሚ ብሰንኪ ኣብ ህይወትና ዝፈጸምናዮ ኣበሳን በደልን ሕፍረትን ሕንክን ኣሎና ጥራይ ዘይኮን እቲ ብሉጽ ንኹለንተናና ዝሽፍን ክብሪ ኣምላኽ ሲኢንናዮ ኢና። ብስንኪ እዚ ድማ ሞት እዩ ዝጓስየና ዝነበረ። ካብዚ ኩሉ ሓራ ክንውጽእ ግና መድሓኒ ተገሊጹ ኣብ መስቀል ሞይቱ ነቲ ከልካሊ መጋረጃና ቐዲዱ ሕፍረትና ኣለዩ። ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፣ "እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዐሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዐሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዂላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዂሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመልሶም ተገብኦ።" እብ 2፣16-17

ሎሚ ብሰንኪ ዕርቃን ናይ ሞት ሃዋህው ኣብ ልዕሌና ይዝንቢ ፍርሓት ይመልከና ኣሎ? እቲ ብስራት እዚ እዩ፣ የሱስ ክርስቶስ ዝተሰወኣ ገንሸል ፋስጋና ካብዚ ባርነት ነጻ ኣውጺኢና እዩ። ዕርቃኑ እናኸደ ትብዓት ረኺቡ ዝመላለስ ሰብ የሎን። እዚ ንኹላትና ርዱእ ነገር እዩ። እዚ ናይ ደገ ዕርቃን ክሳብ ክንድዚ ዘሕፍርን ዘነውርን ካብ ኰነ ደኣ እቲ ናይ ውሽጢ ዕርቃና ደኣ ክሳብ ክንደይ? እምብኣር ሎሚ ነዚ ውሽጣዊ ዕርቃና ክሽፍን ዝኽእል የሱስ ካብ ተረኽበ ስለምንታይ ነቲ ንሕና ንውሽጥና ክኸድን እዩ ኢና ለቢስናዮ ዘሎና ጽዩቕ ጭርቂ ደርቢናን ኣሊናን ካብ ጽድቂ ናይቲ ገንሸል ኣምላኽ ሓጥያት ዓለም ዘርሕቕ መድሓኒ ንልበስ። ሹዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰባትን ትብዓት ክህልወና እዩ። ንሱ በይኑ እዩ ዕርቃን ኣበሳና ዝኸደን።

ኩብራት ኣንበብቲ እተን ካልኦት ኣብ ዘፍጥረት ክንርእየን ዝደለኹ ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈቐድ ግዜ ክንርእዮ ኢና። ሕጂ ግና በዘን ዝረኣናየን ሰለሰተ ሓሳባት ክንውድእ። ኣምላኽና ንጸልማትና ዘብርህ ንውሽጥና ብሰናይ ነገር ዘጽግብ እዩ እሞ ብብርሃኑ ብርሃን ክንርኢ ብበረኸቱ ክንጸግብ ናብኡ ንቕረብ። ንሱ ይሓልየንላ ጐደልና ይፈልጥ እዩ እሞ ካብ ምጭናቕ ንኣምላኽ ንእምኖ። እቲ ብሓጥያት ዕርቃኑ ወጺኡ ዘሎ መንነትና እሞ ድማ ክብሪ ኣምላኽ ስኢኑ ዘሎ ህይወትና ብኽብሪ ኣምላኽ ክመልእ ደም የሱስ ክርስቶስ ንኣበሳና ኣጽርዩ ብኽብሪ ደበሎኡ ክሽፍነና ንተበጃውነቱ ንእመን። ኣምላኽ ይባርኹም።



2 comments

tebarek hanibal goyta nizey miemana degif emnet wesikena

ብሓቂ ግሩም መልእኽቲ ዘፍጥረት። ክብሪ ነቲ ብርሃንና ዘብርሂ፣ ጎዶሎና ዝምልእን ዕርቃንና ዝሽፍንን ኣምላኽ ይኹን! ተባረኽ ሃኒባል።
Other Article