ሰብ ጥበብ

Posted on 2013-12-24 · 1629 · 0 · 0

32 resources uploaded

እዚ ዝለናዮ እዋን ቅንያት ልደት ኰይኑ ንበዓል ልደት ብኽብ ዝበል ኣበዓዕላ ንምኽባር ድማ ንሸባሸብ ኣሎና። በዓል ልደት ክንዮ ምብላዕን ምስታይን እንተ ዘይሓሊፉ ዕሙቀታዊ ናይ ህይወት ትርጉም ከም ዘለዎ እንተ ዘይተረዲኢና ግና ኣዚና ነሕዝን ሰባት ክንከውን ኢና። ኣብ ቕንያት ልደት እንዝክሮም ሰባት ኣዚዮም ብዙሓት እዮም ንሎሚ ብዛዕባ ሰብ ጥበብ ክንርኢ ኢና። ምድሓን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ምኻኑ ቃል ኣምላኽና ይነግረና። ነዚ ስለ ዝዀነ ኸኣ ነቶም ካብ ወገን እስራኤል ዘይነበሩ ሰብ ጥበብ ብዛዕባ ልደት እቲ ተስፋ ዓለም ዝዀነ መድሓኒ ክግለጸሎም ከሎ ንርኢ።
እዞም ካብ ርሑቕ ምብራቕ ዝመጹ ሰብ ጥበብ ንመድሓኒ ንምርኣይ ወይ ምውላዱ ንምብዓል ጥራይ ዘይኰነ መጽዮም ሓለፍኡ ዝዝኸይድ ንመድሓኒ ኣምልኾን ስግደትን ክህብሞ እዮም መጽኦም ነዚ እዩ እቲ ጹሑፍ “የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ።” ነዚ ክርእይዎ መጽእዮም ዘለዉ መድሓኒ ልዕሊኦም ምኻኑ ክስገደሉን ክምለኽን ከም ዘለዎ ኣሚኖም። ምግለጺ እምነቶም ድማ ህያባቶም ሂቦሞ “ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። ሳጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጽ በረኸተ ሀብዎ።” ይብለና እቲ ቓል። ኣብዚ ንግስነትን ክህነትን መድሓኒ ብምልኡ ልቦም ተቐቢሎም ገዛእ ርእሶም ብኣምልኾ ነቲ ሕጻን ወፈዩ። ሎሚ ቅንያት ልደት ዘማሓላልፎ መልእኽቲ እዚ እዩ። ንመን ነመልኽ ኣሎና?
ነቲ ንምድሓና ዝተወለደ ቅድሚ 2000 ዓመት ዝተገልጸ መድሓኒ ክሳብ ክንደይ ብምልኣት ነምልኾን ነኽብሮን ኣሎና። ከም እዞም ዝስገዱ ሰብ ጥበብ ኣምላኽነቱን ንግስነቱን ኣሚኖም ህያቦም ዝሃቡ ሰብ ምብራቕ ንሕናኸ ገዛእ ርእስና ትሕት ኣቢልና ዶ ዀን ንዕኡ ነግዝእ? ንኣምላኽ ምምላኽ ማለት ከምቲ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ “ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓይልኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ዝበልና ምስ እንገብር እዩ ሓቐኛ ኣምልኾ ዘሎና። ኣብ ቅንያት ልደት እቲ ንህይወትና ክንሓቶ ዘሎና ዓቢ ሕቶ ንኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ሓቐኛ ኣምልኾን ስግደትን ይህቦ ኣለኹ ዝብል ኽኸውን ኣለዎ። ኣብ እዋን ልደት እዚ እንተ ዘይተረድኢና እንብዕሎ በዓል ከንቱ ትርጉም ዘይብሉ ምኻኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ካልእ ክንፈልጦ ዘሎና ሰብ ጥበብ ከኣ ዝመሃሩና ሓቒ እንትርፎ መድሓኒ ካልእ ክምለኽን ክስገደሉን ዝግባእ ማንም ይኹን ምንም የሎን። ሎሚ ተወሳኺ መድሓኒን ካልእ ዝመለኽ ኣካል ስለ ዘየሎ ነዚ ከምዚ ትገብሩ ሰባት ኣብ ጉጉይ መንገዲ ከም ዘለኹም ክንሕበርኩም ንፈቱ። ኣምልኾ ነቲ ሓቐኛ በይኑ ኣምላኽ ጥራይ። ኣምላኽነት የሱስ ፈሊጥና ንሱ በይኑ ክመልከና ገዛእ ርእስና ንዕኡ ንወፊ ኣምላኽ ብድሕር እዚ ክባርኸና እዩ።

ካልእ ካብ እዞም ሰብ ጥበብ እንመሃሮ ዓቢ ቅምነገር ምእዛዝ እዩ። ስበ ጥበብ ዝነበሮም ጽምኢ ሓደ እዩ ንመድሓኒ ንምፍላጥ ነዚ እዮም ብዛዕባ እቲ መሲሒ ምስ ተገልጸሎም ነቲ ዝተገልጸሎም ሓቒ ብዘይዋዓል ሕደር ብእምነት ንምቕባሉ ንምእዛዝ ድሕር ዘይበሉ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ክዛረቡ ከለዉ ድማ “ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። 1ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሐጐሱ። 11- ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። ሳጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጽ በረኸተ ሀብዎ። 12- ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።” ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ዝገለጸልካ ሓቒ ምቕባል ጥራይ እዩ ሓቐኛ ዝዀነ ሓጐስን ምጽንናዕን ከምጻልካ ዝኽእል። እዞም ሰብ ጥበብ እዚኣቶም ብዛዕባ መድሓኒ ምስ ተገልጸሎም ዝተኸፍለ መስዋእቲ ይከፈል ብዘየገድስ ንኽረኽብዎ እዮም ተጋዮም። ኣብዚ ዘመን እዚ መድሓኒ ዝገበሮ ግብሪ ምድሓን ዝተሓላለኸን ብርቱዑን ዘይኰነስ ንኹሉ ብማዕረ ዝተገልጸ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂ ንምቕባል ግና እቲ ግደ ናትና እዩ። ነቶም ዝተቐበሎዎ ብስሙ ዝኣምኑ ግና ዉሉድ ኣምላኽ ክዀኑ መሰል ሃቦም ዝብል ጹሑፍ ኣሎ። ሎሚ ንልደት ክንሓስብ ከሎና የሱስ ክርስቶስ ናቱ ዀይና መሰል ውልደነት መታን ክህበና ንኽንቕበሎ ፍቓደኛታት ንምኻን ክኸውን ኣለዎ።
ካልእ ኣብዚ ዘገርም ነገር ዝተፈጸመ ኣሎ። እዞም ሰብ ጥበብ ብዛዕባ ምውላድ እቲ ህጻን ርግጸኛታት ኰይኖም ንንጉስ ሄርዶስ ብትብዓት ቀሪቦም። እዚ ጉዳይ እዚ ንሄርዶስን ንብዘሎ ህዝብን ዘሰንበደ ፍጻሜ እዩ ኔሩ። ሄርዶስ ብዛዕባ እቲ ዝተወልደ ህጻን ኣርጊጹ ፈሊጡ እዩ ምኽንያቱ እቲ ቓል “ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኲላ የሩሳሌምውን ምስኡ። 4- ንሱ ድማ ንዂሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧ ኢሉ ሐተቶም። 5፡6- ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኸ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። 7- ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ።” ስለ ዝብል ግና እቲ ዘሕዝን ሄርዶስ ነቲ ህጻን ከሳድድ እምብኣር ከም ሰብ ጥበብ ክቕበሎ ኣይፈቐደን ኣይደለየን። ሎሚ ምናልባት ልደት መድሓኒ እናብዓልና ክነስና ነዚ ጐይታ እዚ ነሳድድ ዘሎና ሰባት ብዙሓት ክንከውን ይከኣል እዩ።
ጐይታ ነቲ ዘሳድዶ ዝነበረ ሳዎል ኣብ ኣፍ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ ንዓኻ እዩ ዝገደካ ተባህለሉ። ሳኦል ነቶም ሰዓብቲ የሱስ እምበር ንባዕሉ የሱስ ዘሳድዶ ዘሎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ኣብዚ ቕንያት ልደት ከነተሓሳስቦ እንደሊ ዓቢ መልእክቲ ሎሚ ነቶም ባሮት ኣምላኽ ብምስዳድኩም ኣብ ቅድሚ ብልሒ ኣምላኽ ተድሐርሕሩ ከም ዘለኹም ኣይትረስዑ። ምምላስ እቲ ዝበለጸ መነገዲ እዩ። ንብለኩም ሄርዶስ ነዞም ሰብ ጥበብ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ተመሊሶም ክነግርዎ እንተ መኸሮም ኣኳ መልኣኽ ኣምላኽ ከይምለሱ ስለ ዝኣዘዘኦም ብካልእ መንገዲ ተመልሱ። እዚ ዘርኣየና እዞም ሰባት እዚኣቶም ንመድሓኒኦም የሕሊፎም ንሄርዶስ ክህብዎ ኣይፈተዉን ሕጂ እውን ነቲ ልዑል ፈጣሪ ተኣዚዞም። ምእዛዞም ከኣ ንበረኸትን ንሓጐስን ኰይንሎም። ሎሚ ንመድሓኒ የሕሊፍና ከይንህብ እሞ ዝገደደ ፍርዲ ከይንቕበል ንጠንቀቕ ደእ።
ከም ሰብ ጥበብ ነቲ ሓቐኛ ኣምላኽ ንምምላኽን ንዕኡ ነብይኑ ንምእዛዝዝን ቀሪጽና ንለዓል። መፍቲሒ ጸገምናን ሽግርናን ሓደን ፉሉጡን እዩ። ንሱ ድማ ኣምላኽ ሓቒ በይኑ ምዃኑ በቲ ዝለኣዀ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእማንን ከምኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ኢልና በቲ ንሱ ዝብለና መንገድን ጐደና ጽድቅን ምምልላስ ነቲ ዝተገልጸልና ሓቂ ከመዘለዎ ከይነከና ከይወሰኽና ምቕባልን ጥራይ እዩ። ርሑስ በዓል ልደት ይገበረልና።

0 comments
Other Article