Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

watcher


ዳንኤል 4:13 | 18 Helpful votes

እንሆ፡ በቲ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፡ ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ

Translation | Context
ዳንኤል 4:17 | 13 Helpful votes

እቶም ህያዋንሲ፣ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ፣ ኤረ ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ ደኣ ልዕል ከም ዜብሎ ምእንቲ ኺፈልጡ፣ እዚ ባህሊ እዚ እቶም ሓለውቲ ዝመደቦም፣ እዚ ነገር እዚውን ኣቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 4:23 | 12 Helpful votes

እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ዝረኣዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ፣ ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን፣ ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታብሰንሰለት ሃጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፣ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሓልፋብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን፣ ዝበለ

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:1-4 | 9 Helpful votes

ኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብመልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 5 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:1-22 | 4 Helpful votes

ኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብመልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየእግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰብልቡ ድማ ጐሀየእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ፡ በለኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበወለዶ ኖህ እዚ እዩ፥ ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰኖህ ድማ ሰለስተ ወዲሴምን ካምን ያፌትንወለደምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤትስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃከምዚ ኸኣ ግበራምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚእቲ እመትምግፍሓ ሓምሳ እመትቍመታ ድማ ሰላሳ እመት ይዅን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቝመቱ መስኰት ግበረላኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲእንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ። ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻንናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኵሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነተን፡ ካብ እንስሳ በብዓይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል በብዓይነቱ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ዓሌት ከክልተ ናባኻ ይእተዉ። ካብ ዚብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ

Translation | Context
እብራውያን 13:2 | 4 Helpful votes

ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:37 | 4 Helpful votes

ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:43 | 3 Helpful votes

እታ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዋሲ ዝርኤካዮ፣ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሃዋወሱ፣ ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ፣ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።

Translation | Context
ያእቆብ 3:16-18 | 3 Helpful votes

ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊትልእምቲሰማዕምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤትብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 8:13-17 | 3 Helpful votes

ሽዑ ኻብ ቅዱሳንሲ ሓደ ኻዛረብ ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትን ብሰሪ ምዕላው ከኣ እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋጽ ምእንቲ ኪውሀብ ዚመጽእ ምዕናውን ዚነግር ራእይሲ ኽሳዕ መኣዝ ኣዩ ዚነበር፧ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፣ ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን፣ ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ፣ በለኒ። ኰነ ድማ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ርኤኹከስተውዕሎ ደሌኹ። እንሆ ኸኣ፣ ሰብ ዚመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ። ካብ ማእከል ኡላይ ድማ፣ ገብርኤል፣ እቲ ራእይ ነዚ ሰብዚ ግለጸሉኢሉ ዚጽውዕ ድምጺ ሰብ ሰማዕኩ። ንሱ ኸኣ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ምስ መጸ፡ ሰምበድኩ ብገጸይውን ወደቕኩ። ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ ጊዜ መወዳእታ እያ እሞ፡ ኣስተውዕልበለኒ

Translation | Context
መዝሙር 83:1-18 | 3 Helpful votes

ኣምላኽስቕ ኣይትበል፣ ኣታ ኣምላኽ፣ ዓባስ ኣይትኹን፣ ዝግ አይትበል። እንሆ፣ ጸላእትኻ የውክዑዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ አለዉ እሞ፣ ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፣ ነቶም እትጋርዶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም አለዉ። ህዝቢ ኸይኰኑ፣ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፣ ንዑ ነጽንቶም፣ ይብሉ አለዉ። ሐቢሮምተማኺሮምኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፣ ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንንሞኣብን ኣጋራውያንንጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅንፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስኣሶር ድማ ሐቢሮም፣ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም። ከምቲ ንምድያንንሲሰራንያቢን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም። ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡንምድሪ ኸኣ ድዅዒ ዀንዋ። ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስኢሎም አለዉ እሞ፣ ንኹቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፣ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮምኣምላኸይ፣ ከም ህቦብላ፣ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም። ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ፣ ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎምብዘራጊቶኻ ድማ አሸብሮም። ዎ እግዚኣብሄርስምካ ኺደልዩስንገጾም ነውሪ ምልኣዮንዘለአለም ይነውሩን ይሸበሩንይሕፈሩን ይጥፍኡን። ንስኻ፣ ጐይታ ዝስምካ፣ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፣ ይፍለጡ

Translation | Context
ዳንኤል 10:13-21 | 3 Helpful votes

እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ፣ ሚካኤል፣ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደንምሕጋዘይ መጸ፣ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ። እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዚኸውን እዩ እሞ፣ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ። እዚ ቓላት እዚ ምስ ተገረኒገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኰንኩ። እንሆ ኸኣ፣ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፣ ሽዑ ኣፈይ ከፈተ ተዛረብኩ፣ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፣ ጐይታየ፣ በቲ ዝርኤኽዎ ራእይሲ ሕማመት ደጊሱኒ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንንምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፣ ባርያ እዚ ጐይታይሲ ከመይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ዚዛረብ ይከኣሎ፡ በልክዎ። ሽዑ እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶካ ሰብኣይትሸበርሰላም ንኣኻ ይኹን፣ በርትዕ፣ ኤረ በርትዕበለ። ምስ ተዛረበኒበርታዕኩ፣ ኣነውን፣ ጐይታየኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፣ ተዛረብበልኩ። ንሱ ድማ በለ፣ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊይካ አሎኻ፡ ሕጂ ኸኣ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ እንሆ፣ እቲ መስፍን ዮናኒ ኺመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ ምስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።

Translation | Context
ዳንኤል 12:1-13 | 2 Helpful votes

በቲ ዘመንቲ ሚካኤል፣ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብካ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፣ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘምን ጸበባ ኪኸውን እዩ፣ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፣ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኸበ ዘበለ፣ ኪድሕን እዩ። ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፣ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፣ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩ እዮም። እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፣ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁ እዮም። ንስኻ ግና፣ ኣታ ዳንኤል፣ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላይት እዚኤን ዕጸወን፣ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሕተማብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም፣ ምስትውዓል ድማ እናወስኸ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ዳንኤል ከኣ ጠመትኩ፣ እንሆውን፣ ክልተ ኻልኦት፣ እቲ ሓደ ኣብ ክነጀው ገምገም ርባ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ክንየው ገምገም ርባ ደው ኢሎም ነበሩ። ሓዲኦም ከኣ ነቲ ኻብ ልሕጺ እንታጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ፡ እዚ ዜስተንክር ነገር እዝስ መወዳእታኡ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ኢሉ ጠየቖ። እቲ ኻብ ልሕጺ እንታጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዕለ እሞ፡ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ፡ ነቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፡ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ፡ ኢሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኪምሕል ከሎ ሰማዕልዎ። ኣነ ድማ ሰማዕኩ፡ ግናኸ ኣየስተውዐልኩን እሞ፡ ጐይታየመወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ፧ በልኩ። ንሱ ኸኣ በለዳንኤለየ፡ እዚ ቓላት እዚ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ እሞ፡ ኪድ ደኣ። ብዙሓት ኪጸርዩኪጽዕድዉ ኪዅልዑውን እዮም፣ እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር፣ ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ። ካብቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እተወገደሉን ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቘመሉን ዘመን ጀሚሩ፡ ሽህን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ። እቲ ዚጽበን፡ ኣብተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዚበጽሕን ብጹእ እዩ። ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድክትዐርፍ፡ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ።

Translation | Context
ዳንኤል 9:1-27 | 2 Helpful votes

ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ፣ ኣብ መንግስቱ ከለዳውያን ከኣ ንጉስ ዝዀነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፣ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልኩዎ፣ ማለት ምዕናው የሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ። ብማቕን ብሓመዅስትን እና ጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ለመንኩን ተናዘዝኩን ጐይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ፣ ንህና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፣ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና። ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምንጐይታየ፣ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፣ ንኣና ግና፣ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ባኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ዅሎም እስራኤል፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ። እወ፣ ጐይታየበዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትናንመሳፍንትናነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ። ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፣ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዮ። ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን። ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰበዲልናዮ ኢና እሞ፣ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና። ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደስ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠልቖ ቓል ኣጽንዖ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፣ እዚ ዅሉ መዓት ወረደና ግናኸ ኣብ ኣበሳና ኽንምለስ፣ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ግብሩ ጻድቕ እዩ፡ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ፡ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ። ሕጂ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽናንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፣ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፣ ንሕና ኣበሳናእኩይ ገበርና። ብሰሪ ሓጢኣትን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን የሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኰይኖም እዮም እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ኵሉ ጽድቕኻ ጌርካ፣ ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፣ እታ ቅድስቲ ደብርኻከተምልስ እልምነካ አሎኹ። ዎ ኣምላኽና፣ እምብኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፣ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ። እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፣ ዎ ኣምላኸይእዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፣ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምትጐይታየስማዕ፣ ጐይታየ፣ ይቕረ በል፣ ጐይታየ ኣድህብከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፣ ኣምላኸየ፣ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበርኣይትደንጕክዛረብ፣ ክጽሊ፣ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፣ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላይ ከቕርብ ከሎኹ፣ ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፣ ገብርኤል፣ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ። መሀረኒ፣ ተዛረበኒበለውንዳንኤለየ፣ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ፣ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምብኣርስ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፣ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎንዕልወት መወዳእታ ኺግበሮ፣ ሓጢኣት ኪውዳእኣበሳ ኺዕረቕዘለኣለማዊ ጽድቂ ኺኣቱራእይን ትንቢትን ኪሕተም፣ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ፣ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ። እምብኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፣ እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህመስፍንሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፣ ጊዜ ጸበባ ኽነሱ፣ ንሱ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ኪቕተል እዩ፣ ንርእሱ ግና ኣይኰነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ከኣ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፣ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን፣ ጥፍኣታውን ምዱብ እዩ። ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፉ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:1-31 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩምትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብየሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብልመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ ኤፍልጠኩም አሎኹ። እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢትንሓደ ምልላይ መናፍስቲንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ። እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ። ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያንባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ እግሪኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለበዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድኣይደልየክንክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየኲሉ ኣካላት ይስቀሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያካልኣይ ነብያትሳልሳይ መምህራንደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕበበይኑ ቛንቋታት ሰርዔኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ አለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ ነተን ዚዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።

Translation | Context
ዳንኤል 8:1-27 | 2 Helpful votes

ንግዝኣት ንጉስ ቤልሻጽር ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣይ ንዳንኤልድሕሪ እቲ ብመጀመርያ እተገልጸለይሲራእይ ተገልጸለይብራእይ ከኣ ርኤኹክርኤ ከሎኹ ድማ፣ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ነበርኩ። ብራእይ ርኤኹ፣ ኣብ ጥቓ ርባ ኡላይ ከኣ ነበርኩ። ኣዒንተይ ኣልዒለ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ክልተ ዝቐርኑ ድዑል ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ነበረ፣ እተን ክልተ ኣቕርንቲ ድማ ልዕል ዝበላ እየን፣ እታ ሓንቲ ግና ካብታ ሓንቲ ልዕል ዝበለት ኣያ፣ እዛ ኣውራ ልዕልቲ ኸኣ ደሓር እያ ዝወጸት። እቲ ድዑል ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ ንሰሜን ኣቢሉ፣ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፣ ኪቃወሞ ዚኽእል ኣራዊት ኣይነበረን፣ ካብ ሊዱ ኼናግፍ ዚኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረዓብዪ ድማ ዀነ። ኣነ ኸስተብህል ከሎኹ፣ እንሆድቤላ ኻብ ምዕራብ ኣብ ዝባን ኵላ ምድሪ መጸንምድሪ ኸኣ ኣይተንከያን። እዚ ድቤላ እዚ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቀርኒ ነበረቶ። ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ ድዑል መጸብነድሪ ሓይሉውን ጐየዮ። ናብቲ ድዑል ኪቐርብ ከሎ ርኤኽዎ፡ ኣዝዩ ኸኣ ተቘጥዖ፡ ነቲ ድዑል ወቕዖ እሞ ክልቲኤን ኣቕርንቱ ሰበሮ፡ ናብ ምድሪ ኣውደቖን ረገጾን። እቲ ድዑል ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፡ ነቲ ድዑል ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኸኣ ኣይነበረን። እቲ ድቤላ ግና እምብዛ ዕብዪ ዀነ። ምስ በርትዔ ድማ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰብረት፡ ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ወጻ። ካብ ሓንቲኤን ድማ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት፣ ንሳውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ኽብርቲ ሃገርን ኣቢላ ዐበየት። ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዐበየ እሞ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቖም ረገጾም ከኣ። ኤረ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ሰራዊት እኳ ተዐበየሉ። ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲኸኣ ካብኡ ኣትረፎ፣ እታ ማሕደር መቕደሱውን ፈረሰት። እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያገበረ ሰለጠሉ ኸኣ። ሽዑ ኻብ ቅዱሳንሲ ሓደ ኻዛረብ ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትን ብሰሪ ምዕላው ከኣ እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋጽ ምእንቲ ኪውሀብ ዚመጽእ ምዕናውን ዚነግር ራእይሲ ኽሳዕ መኣዝ ኣዩ ዚነበር፧ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፣ ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን፣ ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ፣ በለኒ። ኰነ ድማ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ርኤኹከስተውዕሎ ደሌኹ። እንሆ ኸኣ፣ ሰብ ዚመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ። ካብ ማእከል ኡላይ ድማ፣ ገብርኤል፣ እቲ ራእይ ነዚ ሰብዚ ግለጸሉኢሉ ዚጽውዕ ድምጺ ሰብ ሰማዕኩ። ንሱ ኸኣ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ምስ መጸ፡ ሰምበድኩ ብገጸይውን ወደቕኩ። ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ ጊዜ መወዳእታ እያ እሞ፡ ኣስተውዕልበለኒ። ንሱ ኺዛረበኒ ኸሎ፣ ኣእምሮይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። ግናኸ ንሱ ተንከየኒቀጥ ኣቢሉ ኸኣ ኣቘመኒ። ንሱውን በለ፣ እዚ ብዛዕባ እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ጊዜ እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ጊዜ ቝጥዓ ዚኸውን ከፍልጠካ እየ። እቲ ዝርኤኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም። እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ እዩ። እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸኣ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ። ብዛዕባ እታ እተሰብረትን ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ዝተንሳኣን፣ ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስታት ኪትንስኣ እየን፣ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረይኣን እየን። ኣብቲ መወዳእታ መንግስቶም ከኣ፣ እቶም ኣበሰኛታት መስፈሮም ምስ መልኤ፣ ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኰል ዜስተውዕልን ንጉስ ኪትንስእ እዩ። ሓይሉ ኺብርትዕ እዩ፣ ብሓይሉ ግና ኣይኰነን፣ መስተንክር ዝዀነ ጥፍኣት ኪገብር እዩ። ኪገብር ኪሰልጦውን እዩ፣ ንሓያላትን ንህዝቢ ቅዱሳንን ድማ ኬጥፍኦም እዩ። ብጥበቡ ኸኣ ምጥባር ኣብ ኢዱ ኼስልጥብልቡ ኺዕበብድንገት ንብዙሓት ኬጥፍእ፣ ኤረ ነቲ መስፍን መሳፍንቲ ኺትንስኦ እዩ፣ ግናኸ ብዘይ ኢድ ሰብ ኪስበር እዩ። እቲ ብዛዕባኣኡ ኣተዘርበ ናይ ምሸትን ብጊሓትን ራእይሲ ሓቂ እዩ። እዚ ራእይ ንርሑቕ ዘመን እዩ እሞ፣ ሕተሞ። ኣነ ዳንኤል ከኣ ዐወልኩ፣ ሓያሎ መዓልቲ ድማ ሓመምኩ፣ ደሓር ተንሳእኩ፣ ኣብ ዕዮ ንጉስውን ተጸመድኩ። በቲ ራእይ ከኣ እድነቕ ነበርኩ፣ ነዚ ዘስተብህል ግና ኣይነበረን።

Translation | Context
ህዝቅኤል 38:1-23 | 2 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብ ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ፣ እቲ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልንመልስ እሞ ኣንጻሩ ተነበየሉበልውንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክ ቱባልን ኣብ ክሳድካ አሎኹ። ክመልሰካ፣ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፣ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካኣፍራስን ፈረሰኛታትን፣ ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፣ ኵላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፣ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፣ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ። ጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን ቤት ቶጋርማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፣ ብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ እዮም። ተዳሎ፣ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፣ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትከትት ኢኻ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት፣ ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተአከበት፣ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ ኣኽራን እስራኤል ክትኣቱ ኢኻ። ካብ ህዝብታት ወጺኣስ፣ ኵላቶም ሀዲኦም ይነብሩላ አለዉ። ንስኻ ኽትድይብ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፣ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዜጐልብባ ደበና ኽትከውን ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኺትንስእ እዩ፣ እኩይ እማመ ኽትአምም ኢኻ፣ እሞ፣ ናብታ ዘይተዐርደት ሃገር ክድይብ፣ ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ፣ ዅላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፣ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፣ ክትብል ኢኻ። ክትማርኽን ክትብዝብዝን፣ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዚነብረሉ ዘሎ፣ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፣ ካብ ህዝብታት እተአከበ፣ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ። ሳበን ዴዳን ነጋዶ ተርሲስን እቶም ኰረኵርምርኮ ኽትማርኽዶ መጺእካዘመተ ኽትዘምትብሩርን ወርቅን ክትወስድከብትን ሃብትን ክትሕዝብዙሕ ምርኮ ኸተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮምኪብሉኻ እዮም። ስለዚ፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝበይ እስራኤል ሀዲኡ ምስ ተቐመጠኣይክትፈልጦን ዲኻ፡ ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፣ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ኣተቐመጡን ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ። ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፣ ናብ ህዝበይ እስራኤልል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ፣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፣ እቶም ህዝብታት፣ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩኪፈልጡንስ፣ ናብ ሃገረይ ከደይበካ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣባኦም ክም ጸምጽኣካ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነብያት እስራኤል ገይረ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ኪጻረረላ ዚመጸላ መዓልቲ፣ ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ፣ ይብል አሎ። ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል አሎኹ፣ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራአኢል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ዓሳታ ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳ መሮርን ኵሉ ኣብ ምድሮ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኣኽራን ኪግልበጥኣኻውሕ ኪፈርስ፣ ኵሉ መናድቕ ከኣ ኣብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኸውን እዩ። ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣባኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ጽያፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ። በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምኻነይ ክግሀድ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንስቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context