Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

teasing


ምሳሌ 26:18-19 | 13 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስኪጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 2:23-24 | 11 Helpful votes

ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕደይብ፡ ኣታ በራሕደይብኢሎም ኣላገጹሉንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮምብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 11 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውንንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ

Translation | Context
ፊልጲ 2:4 | 9 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት

Translation | Context
ያእቆብ 3:13-18 | 7 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢመሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉንኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊትልእምቲሰማዕምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤትብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:4 | 7 Helpful votes

ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም።

Translation | Context
ምሳሌ 29:11 | 6 Helpful votes

ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 5 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተየሓቂ ዘበለርዝነት ዘለዎ ዘበለቅኑዕ ዘበለንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-15 | 3 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡ ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያንሓቂ እብል አሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡ ብእምነት ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ። እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንንፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእብሰናይ ግብሪ ኺስለማእደሊ አሎኹ። ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃርኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበርክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለንሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

Translation | Context
ያእቆብ 3:6 | 3 Helpful votes

ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ አላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶብገሃነምውን ዝነደደት እያ።

Translation | Context