1. ኣሕዋተየዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩምብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።

2. ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ።

3. እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ክእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም አሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ

4. እንሆመራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዝቃንዓ

5. ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕእንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ

6. ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ አላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶብገሃነምውን ዝነደደት እያ።

7. ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእተገዚኡውን አሎ።

8. ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይተዐርፍ እክይቲዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ።

9. ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም

10. ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእኣሕዋተየእዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።

11. ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧

12. ኣቱም ኣሕዋተየኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።

13. ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ

14. መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን

15-16. ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን

17. እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊትልእምቲሰማዕምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤትብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።

18. ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።