Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

restoration


ኤርምያስ 30:17 | 8 Helpful votes

እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ዮኤል 2:25-26 | 8 Helpful votes

ኣነ ኸኣ ኣቶ ኣንበጣን ኵብኵብታን ጐደበን ሓሰኻን፣ ኣባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዔን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ መብልዕ ክትበልዑ ክትጸግቡውን ኢኹም፣ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ከተመስግንዎ ኢኹም። ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሐንኽን

Translation | Context
መዝሙር 51:12 | 6 Helpful votes

ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:7 | 4 Helpful votes

ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:19-21 | 4 Helpful votes

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 42:10 | 4 Helpful votes

እዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየእግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶእግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:4 | 3 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:24 | 3 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 2 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩምኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 21:1-5 | 2 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎምባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌምንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺእንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆንዅሉ እሕድሶ አሎኹበለእዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍበለኒ

Translation | Context
ዘካርያስ 9:12 | 2 Helpful votes

ኣቱም ብተስፋ እተኣሰርኩም፣ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፣ ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪሎሚውን እነግረኪ አሎኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 2 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ኢሳይያስ 42:1-25 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይሕሩየይነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላመንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ አሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ኣይኪጭድርንድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይኬስምዕን እዩ። ጭፍሉቕ ወምብቆ ኣይኪሰብርንተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይኬጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን። እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብልኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍትንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዚነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየስመይ እዚኣ እያክብረተይ ከኣ ንኻልእምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ። እንሆ፡ እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ፡ ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኽስምዓኩም እየ። ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብኤን እትነብሩንንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩበረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዚነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዚነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሀቡምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩእግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕልይጭድር እሞ የዝምር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕነዊሕ ጊዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ፡ ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ። ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮንቐላይውን ከንጽፎ እየ። ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶምብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ። እቶም ብቕርጺ ምስልታት ዚውከሉንምስልታት ፍሲ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም፡ ዚብሉንድሕሪት ገጾም ኪምለሱኣዝዮም ድማ ኪንውሩ እዮም። ኣቱም ጸማማትስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ፧ ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ፧ ዕዉር ከም ፈታውየይዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮንኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካንእግዚኣብሄር ስለ ጽድቁ ንሕጉ ዓብይን ክቡርን ኪገብሮ ተሐጐሰግናኸ እዚ ህዝቢ እዚ ውሩርን ዝሙትን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ጐደጒዲ ተፈንጠሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተዳጐኑ። ንዘመተ ተወፈዩ፡ መናገፊ ኸኣ የልቦን፡ ተማረኹምለስ፡ ዚብል ድማ የልቦንካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል፡ ንዳሕራዪ ኼስተውዕሎ ኢሉ ዚሰምዖስ መን እዩ፧ ያእቆብ ንወራርእስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ፧ እቲ ብመገዱ ኺመላለሱ ዘይፈተዉንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ፧ ስለዚ ቚጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዐወሉ፡ እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠንሞዂ ኣበሎ፡ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1 | 2 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።

Translation | Context
ገላትያ 6:1 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያንብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 2 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context