Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

opportunities


ማቴዎስ 25:1-46 | 5 Helpful votes

ሽዑ መንግስተ ሰማያትቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። እተን ዓያሱቀቀንዴለን ወሲደንዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣመርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውንፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነእንሆመርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤንቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ነተን ለባማትቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባናበላኤን። እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋኢለን መለሳለንኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋማዕጾ ድማ ተዐጸወደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤንጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። ንሱ ግና መሊሱብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑመገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞምንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒእንሆካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩእናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶበሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታኡክልተ መክሊት ሀብካኒእንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩበለጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይእሙን ባርያብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታይዘይዘራእካዮ እትዐጽድዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎእንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ህብዎንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒጸሚኤኣስቴኹምኒገይሸተቐበልኩምኒዐሪቀከደንኩምኒሐሚመበጻሕኩምኒተኣሲረመጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንንጸሚኤኣየስቴኹምንንገይሸኣይተቐበልኩምንንዐሪቐኣይከደንኩምንንሐሚመተኣሲረኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶምጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካዘየገልገልናካኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:16 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩምከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱተመልከቱ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 5 Helpful votes

ጐይታስኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:16-24 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ በሎ፥ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረንብዙሓት ዓደመ። ኣብቲ ጊዜ ድራር ድማ ነቶም ዕዱማትኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ፡ ንዑ ኪብሎም ባርያኡ ለኣኸኵሎም ከኣ ሐቢሮም ኬማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይግራት ዓዲገ አሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዜድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ አሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። እቲ ሳልሳይ ከኣ፥ ሰበይቲ ኣእትየ አሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ በሎ። እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፥ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱበሎ። እቲ ባርያ ኸኣ፥ ጐይታይከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑስፍራ ድማ ገና አሎበሎ። እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጻእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲኪኣትዉ ተጋደሎምበሎካብቶም እተዓደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ህዝቅኤል 3:19 | 3 Helpful votes

ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዐድካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሀንካ

Translation | Context
ሉቃስ 19:12-27 | 3 Helpful votes

ስለዚ በለሓደ ውሉድ ጭዋመንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦምደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፥ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለአኹኰነ ድማመንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰነቶም ወርቂ ዝሃቦም ባሮቱክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኸፈልጥኪጽውዑሉ ኣዘዘ። እቲ ቐዳማይጐይታይምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳኢሉ ቐረበ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየምበሎ። እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳእናበለ መጸ። ነዚ ድማ፥ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይዘየንበርካዮ እተልዕልዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃልካእናበለ መጸ። ንሱ ድማ፥ ኣታ እኩይ ባርያከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ አሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕልዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡ ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረፍቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ። ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎበሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና አለዎበልዎ። ንሱ ድማ፥ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኼግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ። ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:24-33 | 3 Helpful votes

ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩምኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹምተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእመከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሃኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ እዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብርንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ

Translation | Context
ዮሃንስ 13:25-28 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጐዝጕዙ ዘሎ ኸኣጐይታይመን እዩ ንሱበሎየሱስ ከኣ፥ እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኸኣ ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊሃቦድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወሽዑ የሱስነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮበሎ። ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን።

Translation | Context
ሉቃስ 12:47 | 2 Helpful votes

እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ዚግብኦ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 100:3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:11 | 2 Helpful votes

ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ

Translation | Context
ኤርምያስ 8:20 | 2 Helpful votes

ቀውዒ ሐለፈሓጋይ ተወድኤ፡ ንሕና ኸኣ ኣይደሐንናን

Translation | Context