1. የሱስ ኣብ ያሪኮ አትዩ ብእኣ ሐለፈ።

2. እንሆዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ።

3. ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ ምኽኣል ሰኣነ

4. ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞቅድሚት ጐይዩ ኺርእዮ ናብ ሳግላ ሐዀረ

5. የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ ኣንቃዕሪሩጠሚትዎስ ዘኬዎስሎሚኣብ ቤትካ ኸውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድበሎ

6. ቀልጢፉ ወረደ ተሐጕሱውን ተቐበሎ

7. እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወኢሎም ኵላቶም ኣዕዘምዘሙ

8. ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታጐይታይእንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዓመጽክዎ እንተሎውንኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮበሎ

9-10. የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካሎሚ ነዛ ቤት ምድሓን ኰነላበሎ

11. ንሳቶም እዚ ኺስምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ

12. ስለዚ በለሓደ ውሉድ ጭዋመንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስናብ ርሑቕ ሃገር ከደ።

13. ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም

14. ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፥ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለአኹ

15. ኰነ ድማመንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰነቶም ወርቂ ዝሃቦም ባሮቱክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኸፈልጥኪጽውዑሉ ኣዘዘ

16. እቲ ቐዳማይጐይታይምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳኢሉ ቐረበ

17. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየምበሎ

18. እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳእናበለ መጸ

19. ነዚ ድማ፥ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ

20-21. ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይዘየንበርካዮ እተልዕልዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃልካእናበለ መጸ

22. ንሱ ድማ፥ ኣታ እኩይ ባርያከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ አሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕልዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡

23. ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረፍቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ።

24. ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎበሎም

25. ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና አለዎበልዎ

26. ንሱ ድማ፥ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኼግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።

27. ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ።

28. እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ደፍኤ

29. ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተ-ፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል ከረን ምስ ቀረበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፥

30. ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱኣብኣ ምስ ኣቶኹምሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ

31. ሓደስለምንታይ ትፈትሕዎ አሎኹም፥ ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፥ ጐይታ ይደልዮ አሎ፡ በልዎ።

32. እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ

33. ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፥ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ አሎኹምበልዎም

34. ንሳቶም ድማ፥ ጐይታ ይደልዮ አሎበልዎም

35. ናብ የሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ

36. ንሱ ኪኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ

37. ናብ መወዳእታ ቝልቍል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዝቅሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረአይዎ ዅሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎን ጀመሩ እሞ፡

38. ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይክብሪ ኣብ ኣርያምበሉ

39. ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያንመምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮምበልዎ

40. ንሱ ኸኣ፥ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮምእብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም

41. ምስ ቀረበን ነታ ኽተማ ምስ ረኣያንከምዚ ኢሉ በኸየላ

42. ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልቲኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢሕጂ ግና ካብ ዓንይንኺ ተኸዊሉ አሎ።

43. ጻላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺበዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም።

44. ዘመን ምሕረትኪ ሳኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኹ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም።

45. ናብ ቤተ መቕደስ አትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን

46. ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ አሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋእናበሎም ኬውጽእ ጀመረ።

47. ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ኬጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።

48. ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዓስሎ ነበረ እሞ፡ ዚገብርዎ ሰአኑ