Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

nimrod


ዘፍጥረት 10:8-10 | 6 Helpful votes

ኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለመጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 10:9 | 6 Helpful votes

ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለ

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 1:10 | 5 Helpful votes

ኩሽ ከኣ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን ጀመረ

Translation | Context
ዘፍጥረት 10:11 | 4 Helpful votes

ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸንነነዌን ንሬሖቦት-ዒርን ከላህን ሰርሔን

Translation | Context
ዘፍጥረት 11:1-32 | 4 Helpful votes

ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት። ኰነ ድማ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙኣብ ምድሪ ሲነኣር ጐልጐል ረኸቡኣብኡ ድማ ተቐመጡንሓድሕዶም ድማ፤ ክላ ግዳጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖተባሃሀሉ፡ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም። ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብን ንስራሕስምና ኸኣ ነጸውዕበሉእግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደእግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኵላቶም ሓደ ዝዘረባኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዚህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን። እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎምምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉእግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፡ ካብኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ በተኖምወለዶ ሴም እዚ እዩ፡ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኸኣ ንኣርፋክሳድ ወለደሴም ድማ ድሕርቲ ንኣርፋክሳድ ምስ ወለደሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደኣርፋክሳድ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረንሻላሕ ከኣ ወለደኣርፋክሳድውን ንሸላሕ ምስ ወለደድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ሸላሕ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረንዔበር ወለደሸላሕ ንዔበር ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ዔበር ድማ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ገበረንፌለግ ከኣ ወለደዔበር ንፌሌግ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ፌሌግ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረንረጉ ወለደፌሌግ ንረጉ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ረጉ ድማ ሰላሳን ክልተን ዓመት ገበረንሴሩግ ከኣ ወለደረጉ ንሴሩግ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ሴሩግ ድማ ሰላሳ ዓመት ገበረንናሆር ከኣ ወለደሴሩግ ንናሆር ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ክልተ ምእቲ ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ናሆር ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገበረንታራ ኸኣ ወለደናሆር ንታራ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ታራ ድማ ሰብዓ ዓመት ገበረንኣብራምን ንናሆርን ንሃራን ወለደወለዶ ታራ ኸኣ እዚ እዩ፤ ታራ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደሃራን ድማ ንሎጥ ወለደሃራን ከኣ ኣብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣብታ እተወልደላ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ ሞተኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉስም ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ እዩ፡ ስም ሰበይቲ ናሆር ድማ ሚልካጓል ሃራን፡ ኣቦ ሚልካን ኣቦ ዪስካን እዩ። ሳራይ ከኣ መኻን ነበረት እሞ ውሉድ ኣይነበራንታራ ድማ ንኣብራም ወዱንንሎጥ ወዲ ሃራን ወዲ ወዱን፡ ንሳራይ ከኣ ሰበይቲ ወዱ፡ ሰበይቲ ኣብራም ወዱ ወሰደ፡ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኸዱ ብሓደ ወጹ። ናብ ካራን ድማ መጹ፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐመጡዕድመ ታራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ታራ ኸኣ ኣብ ካራን ሞተ

Translation | Context
ዘፍጥረት 10:10 | 4 Helpful votes

መጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 10:1-32 | 4 Helpful votes

ወለዶ ደቂ ኖህ እዚ እዩ፡ ሴምካምያፌት። ንኣታቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ደቂ ተወልዱሎምደቂ ያፌትጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ቲራስንደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽከናዝን ሪፋትን ቶጋርማንደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ተርሺሽን ኪቲምን ዶዳኒምንካብዚኣቶም ደሴታት ህዝብታት በብምድሮምነፍስ ወከፍ ከም ቋንቋኡ፡ ከከም ዓሌታቶምበብህዝቦም ተፋላለዩደቂ ካም ከኣ፥ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንንደቂ ኩሽ ድማ፥ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብተካንደቂ ራዕማ ኸኣ፡ ሸባን ዴዳንንኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለመጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ። ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸንነነዌን ንሬሖቦት-ዒርን ከላህን ሰርሔን። ኣብ መንጎ ነነዌን ካላህን ከኣ ንሬስን ሰርሔ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ። ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስጥኤማውያን ወጹከነኣን ድማ ንሲዶንበዅሪ ወዱንንሄትንንይቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንንንሂዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንንንኣርዋደውያንን ንጽማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከነኣን ተዘርወዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሶዶን በታ ንጌራር እትኣትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቦኢም እትኣትወላ ኣቢልካ ኸኣ ክሳዕ ላሻዕ ነበረ። እዚኣቶም፡ በብዓሌቶምበብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሄህዝቦምደቂ ካም እዮም። ንሴም ድማ እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበርዓብዪ ሓዉ ንያፌትደቂ ተወልዱሉደቂ ሴምዔላምን ኣሹርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምንደቂ ኣራም ከኣ፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽንኣርፋክሳድ ድማ ንሸላሕ ወለደሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። እቲ ሓደብዘበኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለትስሙ ፌሌግ ተባህለ። ስም ሓዉ ድማ ዮቅጣንዮቅጣን ድማ ንኣልሞዳድን ንሼለፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕንንሃደራምን ንኡዛልን ንዲቅላንንዖባል ንኣቢማኤልን ንሼባንንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም። ምቕማጦም ድማ ካብ ሜሻ በታ ንሴፋር እትኣትወላ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ነበረ። እዚኣቶም፡ በብዓሌቶምበብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮምበብህዝቦምደቂ ሴም እዮም። እዚኣቶም በብወለዶኦም፡ ኣብ ሄህዝቦም፡ ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ህዝብታት ኣብ ምድሪ ተዘርዉ

Translation | Context
ራእይ 18:1-24 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹብኽብሩውን ምድሪ በርሄት። ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓወዲቓማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትንሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይናኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮምነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞምእናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ። ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል፡ ኣቱም ህዝበይሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስካብኣ ውጹ። ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላብልባንግስቲ ዀይነ እነብርመበለት ኣይከውንንሓዘንውን ኣይክርእን እየ፡ ኢላ አላ እሞ፡ ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሐንቀቐትን ጌርኩም፡ ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሀብዋ። ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ እቲ መዓታሞትን ሓዘንን ጥሜትንብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ፡ ብሓዊውን ክትነድድ እያ። እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሐንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ርእዮምኪበኽዩላን ኬልቅሱላን እዮም። ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ኣቲ ዓባይ ከተማ፡ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎንወይለኺወይለኺፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ አሎ፡ ኪብሉ እዮም። እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ኣቓሑኦም ዚዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን የልቅሱላንኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምነ በረድንቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሐርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን። እቲ ነፍስኺ ዝበሀገቶ ፍረ ኻባኺ ሐሊፉጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይኪርከብን እዩ። እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኣ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነትብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላኵሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዅሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን እዩ ዚመስላእናበሉ ጨርሑ። ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱእናበኸዩን እናሐዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኵሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሀብተሙብሓንቲ ሰዓት ዖንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣወይለኣእናበሉ ጨርሑ። ኣታ ሰማይ፡ ብእኣ ተሐጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትንኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ፡ ብእኣ ተሐጐሱ። ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፡ ከምዚ እናበለባቢሎን፡ እታ ዓባይ ከተማ፡ ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን፡ ኵሉ ጥበብኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ፡ በለ።

Translation | Context
ኤርምያስ 50:1-46 | 3 Helpful votes

እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉንከይሐባእኩም ከኣ፡ ባቢሎን ተታሕዘትቤል ነወረመሮዳክ ተሰባበረምስልታቱ ነወረ፡ ጣኦታቱ ኸኣ ተሰባበረኢልኩም ኣውጁ። ህዝቢ ኻብ ሰሜን ተንሲእዋ አሎ እሞ፡ ንሃገራ በረኻ ኺገብራ እዩ፡ ኣብኣ ዚነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪህሉን እዩ፡ ሰብን ከብትን ሀዲሞም ሃው በሉበተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትን ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶምን ደቂ ይሁዳን ሐቢሮም ኪመጹ እዮም፡ እናበኸዩ ኪኸዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኪደልዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። መገዲ ጽዮን ኪሐቱገጾም ናብኣ ኣቕኒዖም ከኣ፡ ንዑናይብዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምስ እግዚኣብሄር ሕበሩ፡ ኪብሉ እዮም። ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ነበረ፡ ጓሶተን ኣጋገይወን፡ ናብ ኣኽራን ኣዀብለልወን፡ ንሳተን ካብ ኣኽራን ናብ ኲድዂዶታት ነፈጻ፡ ስፍራ ማሕደሪኤን ከኣ ረስዓዝረኸብወን ዘበሉ ዂሎም በልዕወንጸላእቶም ድማ፡ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ማሕደር ጽድቂ፡ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ኣቦታቶም ዐጊቦም እዮም እሞ ንሕናስ ኣይበደልናንበሉካብ ማእከል ባቢሎን ሀደሙ፡ ካብ ሃገር ከለዳውያን ወጹኣብ ቅድሚ መጓሰ ድማ ከም ድቤላታት ኩኑ። እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሃገር ሰሜን ንባቢሎን ናይ ዓበይቲ ህዝብታት ኣኼባ ኸተንስኣላን ከውጽኣላን እየ እሞ፡ ንሳቶም ንውግእ ኪስለፉላ እዮም፡ ካብዚ ወገን እዚ ኸኣ ክትተሐዝ እያ። ፍላጻታቶም ከምቲ ናይ ንፉዕ ተዋጋኢ እዩ፡ ሓንቲ እዃ ብኸንቱ ኣይትምለስን እያ። ምድሪ ከለዳውያን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፡ ኲላቶም ዘመትታ ድማ ከጸግቡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄርኣቱም ዘመትቲ ርስተይ፡ እንተ ተሐጐስኩምን እንተ ተረሳህኩምን እዃ፡ ኣብ ዓውዲ ኸም ዜኺዳ ኣሩሕ እኳ እንተ ተሰራሰርኩም፡ ከም ብርቱዓት ኣፍራስውን ኣንተ ሐምሐምኩምሲኣዴኹም ክትንውር፡ እታ ወላዲትኩም ክትሐፍር እያ። እንሆ፡ ንሳ ዳሕረይቲ እቶም ህዝብታትበረኻን ምድሪ ኣጻምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ። ብምኽንያት ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብዘላ ኽትባድም እያ እምበር፡ ድሕርዚ ኣብኣ ዚነብር የልቦን። ነፍሲ ወከፍ ብባቢሎን ዚሐልፍ ከኣ በቲ ዂሉ ስቓይ ኺስክሓላን ኪፋጽየላን እዩ። ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዂሉኹም፡ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉንእግዚኣብሄር ዐጊባቶ እያ እሞ፡ ወርውሩላፍላጻታት ኣይትብቀቑ። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ኸምዚ ኢልኩም ጨድሩላኢዳ ሀበትመንደቕ ዕርዳ ወደቐቀጽሪ ፈረስ፡ እዚ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ሕኔኣ ፍደይዋከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋንዘራእን ነቲ ብጊዜ ቐውዒ ማዕጺድ ዚሕዝን ካብ ባቢሎን ኣጽንትዎም። ካብቲ ጨኳኒ ሰይፊ ኼምልጡስነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከድ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይህደምእስራኤል ኣናብስ ተሃዳዲኖምዋእተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር በልዓ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዓጻጽምታ ሰባበረ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐጻዕክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐጽዕ እየ። ንእስራኤል ናብቲ መጓሰዪኡ ኽመልሶ እየ፡ ኣብ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን ኪጓሰ እዩ፡ ነፍሱውን ኣብ ኰረቢት ኤፍሬምን ጊልኣድን ክትጸግብ እያ። ነቶም ዘትረፍክዎምሲ ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡ በተን መዓልትታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እትን ኣበሳ እስራኤል ይድለ ኣይህሉን ከኣ፡ ሓጢኣት ይሁዳውን ኪሰኣን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብ ሃገር ሜራታይምን ናብቶም ኣብ ጴኮድ ዚነብሩን ውጻእ እሞ፡ ቅተሎም፡ ነቲ ድሕሪኦም ዘሎ ኸኣ ብጥራስ ኣጥፍኣዮ፡ ብዂሉ ድማ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበርይብል እግዚኣብሄርደሃይ ውግእን ዓብዪ ምፍርስን ኣብታ ሃገር ይስማዕ አሎ። እዛ ሞደወ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላኸ ተሰብረትን ተደቚሰትን፡ ከመይ ኢላስ ባቢሎን ኣብ ማእከል ህዝብታት መሰክሒ ዀነት። ኣቲ ባቢሎንመፈንጠራ ኣጻወድኩልኪከይፈለጥኪ ኸኣ ተተሐዝኪ። ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ እተዋጋእኪ እሞ፡ ተረኸብክን ተተሐዝክን። እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዜቕንዖ ተግባር አለዎ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤት መሳርያኡ ኸፈቶኣጽዋር ኲራኡውን ኣውጽኤካብ ወሰናት ምድሪ መጺእኩም ውረርዋ፡ ሪቓ ኽፈቱ፡ ከም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዋ ብጥራስ ከኣ ኣጥፍእዋሓንቲ እኳ ኣይተትፍሩ። ንዂሎም ኣረውሓ ቕተልዎም፡ ናብ ማህረዲ ኣውርድዎምመዓልቶምእታ ጊዜ መቕጻዕቶምበጺሓ እያ እሞ፡ ወይለኦምሕነ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ሕነ መቕደሱ ኣብ ጽዮን ኬውርዮስ፡ ድምጺ እቶም ካብ ሃገር ባቢሎን ዝሀደሙን ዘምለጡን ይስማዕ አሎ። ንወርወርቲ ቐስቲ፡ ንዂላቶም ቀስቲ ዚግትሩንባቢሎን ኪወግእዋ ኣኽትትዎምሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩከም ግብራ ፍደይዋንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስተዐብያትሉ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ዂሉ ግበርዋ። ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያት ኺወድቁ እዮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኲሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቲ ትዕቢተኛ፡ እታ ንኣኺ ዝቐጽዓላ ጊዜ፡ እታ መዓልትኺ መጺኣ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ናባኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እቲ ትዕቢጠኛ ኺዕንቀፍን ኪወድቕን እዩ፡ ዜተንስኦ ድማ የብሉን፡ ኣብ ከተማታቱ ኸኣ ሓዊ ኽትኵስ እየ፡ ንሱውን ንዂሉ ኸባቢኡ ሞዂ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ብሓባር ጥቑዓት እዮም፡ እቶም ዝማረኽዎም ኲላቶም ከኣ ሐዝዎምከይሐድግዎም ድማ ኣበዩተበጃዊኦም ብርቱዕ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። ንምድሪ ህድኣት ኪህብ፡ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዘለዉ ኸኣ ኪህውኽሲነገሮም ኬቕንዓሎም እዩ። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ መሳፍንታን ኣብ ልዕሊ ጥበበኛታታን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄርሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጀሃርቲ እዩ እሞ፡ ዓያሱ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑኣ እዩ እሞ፡ ኪፈርሁ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ኣፍራሳን ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን እዩ እሞ፡ ከም ኣንስቲ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ መዛግቦም እዩ እሞ ኪብዝበዙ እዮም። ሃገር ቅሩጽ ምስልታት እያ፡ ብጣኦታት ከኣ ሃተምተም ይብሉ አለዉ እሞ፡ ደርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ፡ ኪነጽፍ ድማ እዩ። ስለዚ ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኺነብሩላሰገናትውን ኣብኣ ኺሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዚነብር የልቦንንውሉድ ወለዶውን ኣይክትስራሕን እያ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ነተን ጐረባብተንን ዝገላበጠን፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሰሜን ይመጽእካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ይነቕሉቀስትን ኲናትን ይሕዙጨካናትምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ፡ ኣፍራስ ይሰሩ። ኣቲ ጓል ባቢሎንንውግእ ከም እተዳለወ ሰብኣይ ተሰሊፎም ይመጹኺ አለዉ። ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኦም ወረ ይሰምዕኣእዳዉ ኸኣ ይልሕልሓ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲውን ጸበባን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ። እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ አሎ፡ ብኡብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ እተሐርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዚመዓራረየኒ መን እዩ፧ ቈጸራ ዚገብረለይከ መን እዩ፧ እቲ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳስ መን እዩ፧ ስለዚ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርንንሃገር ከለዳውያን ዝሐሰበላ ሓሳብን ስምዑብርግጽ፡ ነቶም ናእሽቱ መጓሰ ኺጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ኪስክሓሎም እዩ። በቲ ባቢሎን ተታሕዘት ዚብል ደሃይ ከኣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ አላ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታትውን ጭራሕምራሕ ይስማዕ አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 10:6-20 | 2 Helpful votes

ደቂ ካም ከኣ፥ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንንደቂ ኩሽ ድማ፥ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብተካንደቂ ራዕማ ኸኣ፡ ሸባን ዴዳንንኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለመጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ። ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸንነነዌን ንሬሖቦት-ዒርን ከላህን ሰርሔን። ኣብ መንጎ ነነዌን ካላህን ከኣ ንሬስን ሰርሔ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ። ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስጥኤማውያን ወጹከነኣን ድማ ንሲዶንበዅሪ ወዱንንሄትንንይቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንንንሂዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንንንኣርዋደውያንን ንጽማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከነኣን ተዘርወዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሶዶን በታ ንጌራር እትኣትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቦኢም እትኣትወላ ኣቢልካ ኸኣ ክሳዕ ላሻዕ ነበረ። እዚኣቶም፡ በብዓሌቶምበብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሄህዝቦምደቂ ካም እዮም።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 2 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 10:8 | 2 Helpful votes

ኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:1-22 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብመልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየእግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰብልቡ ድማ ጐሀየእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ፡ በለኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበወለዶ ኖህ እዚ እዩ፥ ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰኖህ ድማ ሰለስተ ወዲሴምን ካምን ያፌትንወለደምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤትስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃከምዚ ኸኣ ግበራምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚእቲ እመትምግፍሓ ሓምሳ እመትቍመታ ድማ ሰላሳ እመት ይዅን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቝመቱ መስኰት ግበረላኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲእንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ። ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻንናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኵሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነተን፡ ካብ እንስሳ በብዓይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል በብዓይነቱ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ዓሌት ከክልተ ናባኻ ይእተዉ። ካብ ዚብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:1-28 | 2 Helpful votes

ኣብ ራማታይም-ጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬምኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይወዲ የሩሓምወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ። ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃናስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ኣብ ሺሎ ኺሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪስውእን ኢሉ በብዓመት ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊሆፍንን ፊንሃስንካህናት እግዚኣብሄር ነበሩ። እታ ኤልቃና ዚስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሀቦምንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዐጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሀባእግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዐጸወ ግና፡ እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። ንሱ ዓመት ንዓመት ከምኡ ምስ ዚገብር፡ በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ጊዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ ኸኣ በኸየትኣይበልዔትን ድማ። ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ፡ እንታይከ ኼንኪ ዘይትበልዒ፡ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ አሎ፧ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክንበላ። ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንስኤትካህን ኤሊ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡ ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎንኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሔት፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበትከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮበላ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹንነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርአየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ። ሽዑ ኤሊብሰላም ኪዲኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ፡ ባርያኻስ ኣብ ቅድሜኻኸ ሞገስ እርከብበለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደትበልዔትውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣእግዚኣብሄርውን ዘከራኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ። እቲ ሰብኣይ ኤልቃና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ደየበሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ፡ በለቶኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽሞበላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ። ነቲ ዝራብዕ ሐሪዶም ድማ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ። ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ አሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ

Translation | Context
ራእይ 17:1-18 | 2 Helpful votes

ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስንዓ ነጀውነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎንኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዚብል ስም ጽሑፍ እዩ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኽዋ። ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገሪምካምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ። እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮምሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖምእቲ ሓደ አሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ። እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዚቕበሉ እዮም። እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ አለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም። እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዐሩ እዮም። እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም። ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩን ሓደ ሓሳብ ኪዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ አሎ። እታ ዝርኤኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።

Translation | Context
ራእይ 18:19 | 2 Helpful votes

ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱእናበኸዩን እናሐዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኵሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሀብተሙብሓንቲ ሰዓት ዖንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣወይለኣእናበሉ ጨርሑ

Translation | Context
ቈሎሴ 1:1-29 | 2 Helpful votes

ጳውሎስብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕናኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌናንኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስነመስግን አሎና። ስለ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ተስፋ ቐደም ብዛዕባኡ ብናይ ሓቂ ቓል ወንጌል ዝሰማዕኩምዎ እሞ፡ ናባኻትኩም ዝመጸ ኣብ ኵላ ዓለምውን እናፈረየን እናዓበየን ዚኸይድ ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ከምቲ ኻብ ኤጳፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስእተመሃርኩምዎፍቕርኹም ብመንፈስ ዘፍለጠናውን ንሱ እዩ። ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናንብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና። ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም፡ ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡ ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣናናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና። ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡ ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽበዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎዚርኤን ዘይርኤንዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነትሕልቅነት ወይስ ስልጣናትኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ። ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበርብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርያ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ። ብዘሎ ምልኣት አብኡ ኺሐድርኣቦ ሰሚርዎ አሎ እሞ፡ ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ። ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩም ብኽፉእ ግብሩኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡ ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡከይተናቓነቕኩምተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም። ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ አሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ አሎኹ። ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽቃል ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ። ማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢርሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ። ንሕና ድማ፡ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቝሞብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንነግር አሎና። ነዚ ድማ ኣነ፡ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩእጽዕር አሎኹ።

Translation | Context