Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

jewels


ራእይ 21:11 | 18 Helpful votes

ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።

Translation | Context
ምሳሌ 20:15 | 10 Helpful votes

ወርቅን ብዙሕ ዕንቍን አሎ፡ ፈላጣት ከናፍር ግና ክቡር ኣቕሓ እየን።

Translation | Context
ህዝቅኤል 16:11-13 | 8 Helpful votes

ብስልማት ሰለምኩኺ፣ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፣ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፣ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ። በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፣ ኵእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪኣዚኺ መልካዕኪ፣ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:17 | 7 Helpful votes

በታ ኣነ ዚገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ፣ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎክንሕፎም እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:10 | 6 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር።

Translation | Context
ራእይ 4:1-11 | 5 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርኤኹ እቲ ምሳይ ኪዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለከት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብበለኒሽዑ ብመንፈስ ኰንኩእንሆ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ዝፋን ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስልነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ። ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናትኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹካብቲ ዝፋን ከኣ መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ንሳቶም እቶም ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል አሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን አለዉ። እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስልእቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ አለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዚነፍር ንስሪ እዩ ዚመስልእቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉእቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብርክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 62:3 | 5 Helpful votes

ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ ድማ ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ።

Translation | Context
ዘካርያስ 9:16-17 | 4 Helpful votes

ከምቲ ኣብ ምድሪ ዜንጸባርቕ ኣእማን ኣኽሊል እዮም እሞ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንህዝቡ ኸም መጓሰ ኼድሕኖም እዩ። ሰናዩ ኽንደይ ዓብዪ፣ ጽባቔኡስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እኽሊ ነጕባዝ፣ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ነዋልድ ኬዕብዮም እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:9 | 4 Helpful votes

ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንንፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእብሰናይ ግብሪ ኺስለማእደሊ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 103:2-4 | 4 Helpful votes

ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ

Translation | Context
ኢሳይያስ 54:11-16 | 3 Helpful votes

ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡ ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ። ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ ኣይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ። እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሐቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ኪጻረሩኺ ዚሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኺወድቁ እዮም። እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዚገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢኬብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:31 | 2 Helpful votes

እምበኣርሰ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።

Translation | Context