Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

crisis


መዝሙር 34:17-20 | 14 Helpful votes

ጻድቃን የእውዩእግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎምእግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄንሓንቲ እኳ ኣይትስበርን

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 8 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 5 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:13 | 4 Helpful votes

እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 3 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ያእቆብ 4:1-2 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2 | 3 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 3 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ማቴዎስ 24:6 | 2 Helpful votes

ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1-31 | 2 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገድውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦበሎየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስንቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለናበሎየሱስ በሎፊልጶስእዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየናትብል አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበርእዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒእንተ ዘይኰነስስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብርካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብርብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩምክገብረልኩም እየ። እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦ ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግናምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞትፈልጥዎ ኢኹም። ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምንናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክ ትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይንስኻትኩም ከኣ ኣባይኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማጐይታይእቲ ርእስኻንዓለም ዘይኰነንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩበሎየሱስ ከኣዜፍቅረኒ እንተሎቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናብቲ ዝለአኸኒ ኣቦ እዩ እምበርናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። ምሳኻትኩም ከሎኹእዚ ነገርኩኹምእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድንኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹምካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞእተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። ሕጂ ድማምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉንደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮንከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርንዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ

Translation | Context
ሮሜ 13:11 | 2 Helpful votes

ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ

Translation | Context
ሉቃስ 21:36 | 2 Helpful votes

ስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ

Translation | Context