Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

calvinism


ግብሪ ሃዋርያት 7:51 | 12 Helpful votes

ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ አሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ አሎኹም።

Translation | Context
ሮሜ 10:5-13 | 6 Helpful votes

ሙሴ ብዛዕባቲ ኻብ ሕጊ ዚመጽእ ጽድቂእቲ ዝገበሮ ሰብ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ እናበለ ይጽሕፍ እዩ እሞ፡ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብልብልብኻ፡ መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧ ኣይትበል፡ እዚ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶወይስ፡ ናብ መዓሙቝሲ መን ኪወርድ እዩ፧ እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ። እንታይ ደኣ ይብልእቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ። እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ። ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
ዘዳግም 30:11-20 | 6 Helpful votes

እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዚሽግርን ካባካ ዝረሐቐን ኣይኰነን እሞ፡ ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መን እዩ ከይትብልኣብ ሰማይ ኣይኰነንባሕሪ ዚስሳገረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና እሞ መን እዩ፧ ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን። እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ። ርኤሎሚ ህይወትን ጽቡቕንሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ። ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገርእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ አሎኹ። ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከኣ እንተ ተስሐብካን እንተ ኣምለኽካዮምንብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም አሎኹ። ኣብታ ኽትወርሳ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ እትኣትዋ ምድሪ መዓልትታትኩም ኣይተንውሑህይወትን ሞትንበረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካንኣብርሃምን ንይስሃቅንንያእቆብንኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትነብርሲንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ

Translation | Context
ሮሜ 9:16 | 5 Helpful votes

ስለዚ ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዚደልን ዚጐይን ኣይኰነን

Translation | Context
ዮሃንስ 6:44 | 5 Helpful votes

እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦንኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:5 | 5 Helpful votes

በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወናንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና

Translation | Context
ሮሜ 8:29 | 5 Helpful votes

ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውንንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም

Translation | Context
ሮሜ 10:17 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 9:13-14 | 3 Helpful votes

ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ። እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ አሎ፧ ያእ የልቦን

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:20-21 | 2 Helpful votes

እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውትውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲ ኣበሳ ውሉዱ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት እንተ ተመለሰ፣ ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፣ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፣ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:3 | 2 Helpful votes

በለ ኸኣእንተ ዘይተመለስኩምከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩምናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 2 Helpful votes

ጐይታስኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:32 | 2 Helpful votes

ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።

Translation | Context