Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

behavior


እብራውያን 10:26 | 11 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብናፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበርደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 9 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 6 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም

Translation | Context
ቲቶስ 2:12 | 5 Helpful votes

እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድናኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:5 | 4 Helpful votes

ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉምንዝርርኽሰትፍትወት ስጋክፉእ ትምኒትስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡

Translation | Context
ምሳሌ 16:28 | 3 Helpful votes

ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።

Translation | Context
ሮሜ 1:26-27 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦምደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ

Translation | Context
ሉቃስ 16:13 | 3 Helpful votes

ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9 | 2 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡

Translation | Context
ሮሜ 1:18-32 | 2 Helpful votes

ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩእዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜንንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉንኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦምደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦምዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦምምሉኣት ቅንኣትቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰልእከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲኣብ ኣምላኽ ጽሉኣትገፋዕቲኲሩዓትተዘሃርቲተጣበብቲ እከይንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:1-40 | 2 Helpful votes

ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸእንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙርወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊኣብኡ ነበረ። ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ። ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎምስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓቊጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩመንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎምብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ። ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ ፈተኑመንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምንሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣናእናበለ ይልምኖ ነበረ። ንሱ ራእይ ምስ ረአየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድናትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡ ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየንልድያ እትብሀልንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራሸያጢት ቀይሕ ሃሪጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና። ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረትጳውሎስ ድማ ጒህዩግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስካብኣ ኽትወጽእብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ። ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረአዩንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ አለዉ፡ ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ አለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም። እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ። ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ። እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረአየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ አሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበርእናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሃቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎምብኣምላኽ ስለ ዝአመነውን ምስ ኲላቶም ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ። ምድሪ ምስ ወግሔ ግና፡ እቶም ሓላቑነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶምኢሎም ገላዉ ለአኹ። እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም አለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉናሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱናባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑፈርሁመጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኼግልሱውን ለመንዎም። ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረአይዎም ከኣ፡ መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:1-30 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦንደቂ እስራኤል ተዛረቦምበሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነአን ድማ ኣይትግበሩ፡ ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ። ብእኡ ኽትመላለሱ ፍርድታተይ ግበሩሕጋጋተይ ከኣ ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉእቲ ዚገብሮ ሰብ ብእኡ ህያው ይኸውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባኣነ እግዚኣብሄር እየሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕሕፍረት ኣቦኻ እዩ። ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣቦካ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደትሕፍረት ኣይትቕላዕሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ፡ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ፡ ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕናብ ሰበይቱ ኣይትቕረብሓብቲ ኣቦኻ እያ። ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕሰበይቲ ወድኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕሕፍረት ሓውካ እዩ። ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕጓል ወዳ ወይ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን እዩብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስእዚ ጽያፍ እዩ። ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ። እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ዂሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዂሉ ኣይትርከሱእታ ምድሪ በዚ ረኸሰት፡ ኣነ ኸኣ ሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ፡ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዚነብርዋ ኽትተፍኦም እያ። ንስኻትኩም ግና ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓና፡ ካብ ኲሉ እዚ ጽያፍ እዚ ገለ ኣይትግበሩእዚ ዂሉ ጽያፍ እቶም ቅድሜኹም ኣብአ ዝነበሩ ሰብ እታ ሃገር ገይሮምዎ እዮም እሞ፡ እታ ምድሪ ረኸሰትእታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበርዋ ህዝቢ ኸም ዝተፍኣቶም፡ ንኣኻትኩም ድማ ከይትተፍኣኩም። ካብዚ ዂሉ ጽያፍ እዚ ዝገበረ ዘበለ፡ እተን ዝገበራ ነፍሳት ካብ መንጎ ህዝበን ኪምንቈሳ እየን። እቲ ቕድሜኹም ዚገብርዎ ዝነበሩ ርኹስ ስርዓታት ከይትገብሩ፡ ብእኡ ኸኣ ከይትረኽሱ፡ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝአዘዝኩኹም ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:14-15 | 2 Helpful votes

ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-11 | 2 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲወይ ስሱዓትወይ ሰካራትወይ ተጻረፍቲወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 1:10 | 2 Helpful votes

ነመናዝርግብሪ ሰዶም ንዚገብሩንሸየጥቲ ሰብንሓሰውቲብሓሶት ንዚምሕሉሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 2 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:13 | 2 Helpful votes

ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮምሞት ይሙቱደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context