1. እቲ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ስምዑተንስእ፣ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ፍረድ፣ ንዅድዅዶታት ከኣ ደሃይካ ኣስምዓዮም

2. እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር አለዎ፡ ምስ እስራኤል ድማ ኪካታዕ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ንስካትኩምውን ጽኑዓት መሰረት ምድሪ፡ ነገር እግዚኣብሄር ስምዑ

3. ኣታ ህዝበይ፣ እንታይ ገይረካ እየ፡ ብምንታይከ ኣድከምኩኻ፡ እስኪ መስክረለይ

4. ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ፡ ካብ ቤት ባርናት ኣድሒነካንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡

5. ኣታ ህዝበይጽድቂ እግዚኣብሄር ክትፈልጥሲ፣ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮበለዓም ወዲ ቤዖር ከኣ ዝመለሰሉ፣ ካብ ሺጢም ክሳዕ ጊጋል ዝኰነውን ዘክር

6. ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፡ ከምይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ፧ ዚሐርር መስዋእትን ኣባትይ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመጽእ እየ፧

7. እግዚኣብሄር በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፡ ስለ በደለይ በዅሪ ወደይ፣ ስለ ሓጢኣት ነፍሰይ ከኣ ፍረ ኸርሰይዶ ኸውፊ እየ፧

8. ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካእግዚኣብሄርሲቅንዕና ኽትገብርምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።

9. ደሃይ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይጽውዓ ጥበብ ከኣ ንስምካ ኽትርኢ እያ። ነቲ ሸቦጥን ነቲ ዘዳለዎን ሰምዑ

10. እቲ መዛግብ ረሲእነትን እቲ ጽዩፍ ጐደሎ ኤፋንዶ ገና ኣብ ቤት ረሲእ አሎ እዩ፧

11. ኣነዶ ብሚዛን ረሲእነን በቲ ኸረጺት ጠባሪ መምዘንን ንጹህ ክኸውን እየ፧

12. እቶም ሃብታማታ ዓመጽ ዝመልኡ እዮም፣ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ሓሶት ይዛረቡልሳኖምውን ኣብ ኣፎም መታለሊት እያ።

13. ስለዚ ኣነ ድማ ብሰሪ ሓጢኣትካ ክሳዕ እትደክምን እትፈርስን ክወቕዓካ እየ።

14. ንስካ ትበልዕ፣ ግናኸ ኣይትጸግብንውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ኪኸውን እዩ፣ ትሕዝ፣ ግናኸ ኣይተድሕንን፣ እቲ ዘድሐንካዮ ኸኣ ንኣደዳ ሰይፊ ኽምጥዎ እየ።

15. ንስኻ ትዘርእ፣ ግናኸ ኣይትዐጽድን፣ ፍረ ኣውልዕ ትጐድእ፣ ግናኸ ዘይቲ ኣይትልከን። ኰልዒ ወይኒ ትጸምቝ፣ ወይኒ ግና ኣይትሰትን

16. ኣነ ንኣኺ መሰክሒ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ንፋጻ ኽገብርሲ፡ ስርዓት ኦምርን ኵሉ ግብሪ ቤት ኣሃብን ይሕልዉ፡ ንስካትኩም ድማ ብምኽሮም ትመላለሱ አሎኹም እሞ፡ ጸርፊ ህዝበይ ክትጾሩ ኢኹም።