1. ኣቲ ጓል ጭፍራጭፍራኺ ኣክቢብኽቢ ይኸቡና፣ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ

2. ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሃት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።

3. ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣህሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣህዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ኪምለሱ እዮም።

4. ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹም ኪቐውምን ኪጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ንሳቶም ኪነብሩ እዮም።

5. ንሱ ሰላም ኪኽውን እዩ። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፣ ኣብ ኣዳራሽና ኸኣ ምስ ረገጸ፣ ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ ምሳፍንቲ ሰብን ኣንጻር ኽነተንስኣሉ ኢና።

6. ንሃገር ኣሶር ብሰይፊንሃገር ኒምሮድ ከኣ ኣብ ደጌታታ ኼጥፍእወን እዮም። ንሱ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፣ ኣብ ዶብና ድማ ምስ ረገጸ፣ ካብቲ ኣሶራዊ ኼናግፈና እዩ።

7. እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበብደቂ ሰብ ከኣ ተስፋ ዘይገብር፣ ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር፣ ከም ካፋ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ።

8. እቲ ተረፍ ያእቆብ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል እንስሳ ዱር፣ ከም ሽደን ኣብ ማእከል መጓሰ ኣባጊዕ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኺሐልፍ ከሎ፣ ይረጋግጽን ይሰላልዕንዜናግፍ ድማ የልቦን።

9. ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ልዕል ትበል፡ ኵሎም ጻላእትኻውን ይጽነቱ

10. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ነፍራስካ ካብ መእከልካ ኸጥፍኦምንሰረገላታትካ ኸኣ ክሰባብሮ እየ።

11. ንኸተማታት ሃገርካ ኸጥፍኤን፣ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ።

12. ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።

13. ነቲ ጽሩብ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦ እየ። ድርሕዚውን ነቲ ሰራሕ ኣእዳውካ ኣይክትሰግደሉን ኢኻ።

14. ነተን ኣስታርቴታትካ ኻብ ማእከልካ ኽምንቍሰንንኸተማታትካ ኸኣ ከፍርሰን እየ።

15. ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታትውን ብቝጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።