1. እቶም ኣበሳ ዚምህዙ፣ ኣብ መደቀሲኦም ከኣ እከይ ዜዳልዉ ወይለኦም። ኣብ ስልጣን ኢዶም ስለ ዝዀኑ፣ ብብርሃን ወጋሕታ ይገብርዎ።

2. ግራሁ ይደልዩ ይዝርፍዎ ድማ፣ ኣባይቲ ይደልዩ ይወስድዎውንንሰብኣይን ንቤቱን፣ እወ፣ ንሰብን ንርስቱን ይጭቍኑ።

3. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ክሳድኩም ዘይተሎሉሉተዐቢኹም ከኣ ዘይትኸዱሉ ሕሰም ነዚ ወለዶ እዚ ኽምህዘሉ እየ።

4. በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባኹም ከምዚ ኢሎም ኪምስሉን ቍዝማ ኪቍዝሙን እዮም፣ ብጥራስ ተበዝበዝና፣ ነቲ ግደ ህዝበይ ለወጦ፣ ከመይ ኡሊኸ ኣሕደገኒ፣ ነቲ ግርሁናስ ንዓለወኛታት ዐደሎ

5. ስለዚ ኣብ ማሕበር እግዚኣብሄር ነቲ ገመድ መለክዒ ብዕጭ ዜውድቕ የብልካን።

6. ነቶም ዚንበዩኣይትነበዩ፡ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይተነበዩሎም እኳ፡ ነውሪ ኣይኪርሕቕን እዩ።

7. ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሀልመንፈስ እግዚኣብሄርዶ ሐጺር እዩ፧ ግብሩኸ እዚ ድዩ፧ ነቲ ብቕንዕና ዚኸይድሲ ቓላተይ ሰናይ ኣይኰነን፧

8. ህዝበይ ግና ካብ ቅሩብ ጊዜ ጀሚሩ ኸም ዘላኢ ተላዕለ፡ ነቶም ጸረ ውግእ ዝዀኑ ሀዲኦም ዚሐልፋስ ባርኖሶም ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ትገፉ

9. ነንስቲ ህዝበይ ካብ ኣባይቲ ደስታኤን ትሰጕወን፣ ካብ ደቀን ክብረተይ ንሓዋሩ ትወስዱ

10. ብሰሪ እቲ ህሱም ጥፍኣት ዜጥፍእ ርኽሰት፣ እዚ ስፍራ ዕረፍትኹም ኣይኰነን እሞ፣ ተንስኡኪዱ

11. ኣነ ብዛዕባ ወይንን ብርቱዕ መስተን ክንበየልካ፣ ኢሉ ደድሕሪ ንፋስ ዚስዕብን ሓሶት ዚዛረብን እንተሎ፣ ንሱ ነዚ ህዝቢ እዚ ነብዪ ይኸውን።

12. ያእቆብ፣ ኣነ ክእክበካ፣ ኵለንትናኻ ክእክብ፣ ነቲ ተረፍ እስራኤል ብርግጽ ክእክቦ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ቦጽራ፣ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ክምጽኦ እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ እተላዕለ ብርቱዕ ወካዕታ ኪኸውን እዩ።

13. እቲ ጠሓሲ ኣብ ቅድሚኦም ይድይብ፣ ንሳቶም ይጥሕሱ፣ ናብታ ደገ ኸኣ ይሓልፍ፡ ብእኣውን ይወጹንጉሶም ቀቅድሚኦም ይሐልፍእግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ርእሶም ይኸውን።