1. እቶም ኣበሳ ዚምህዙ፣ ኣብ መደቀሲኦም ከኣ እከይ ዜዳልዉ ወይለኦም። ኣብ ስልጣን ኢዶም ስለ ዝዀኑ፣ ብብርሃን ወጋሕታ ይገብርዎ።
2. ግራሁ ይደልዩ ይዝርፍዎ ድማ፣ ኣባይቲ ይደልዩ ይወስድዎውን። ንሰብኣይን ንቤቱን፣ እወ፣ ንሰብን ንርስቱን ይጭቍኑ።
3. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፣ እንሆ፣ ክሳድኩም ዘይተሎሉሉ፣ ተዐቢኹም ከኣ ዘይትኸዱሉ ሕሰም ነዚ ወለዶ እዚ ኽምህዘሉ እየ።
4. በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባኹም ከምዚ ኢሎም ኪምስሉን ቍዝማ ኪቍዝሙን እዮም፣ ብጥራስ ተበዝበዝና፣ ነቲ ግደ ህዝበይ ለወጦ፣ ከመይ ኡሊኸ ኣሕደገኒ፣ ነቲ ግርሁናስ ንዓለወኛታት ዐደሎ።
5. ስለዚ ኣብ ማሕበር እግዚኣብሄር ነቲ ገመድ መለክዒ ብዕጭ ዜውድቕ የብልካን።
6. ነቶም ዚንበዩ፡ ኣይትነበዩ፡ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይተነበዩሎም እኳ፡ ነውሪ ኣይኪርሕቕን እዩ።
7. ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሀል፡ መንፈስ እግዚኣብሄርዶ ሐጺር እዩ፧ ግብሩኸ እዚ ድዩ፧ ነቲ ብቕንዕና ዚኸይድሲ ቓላተይ ሰናይ ኣይኰነን፧
8. ህዝበይ ግና ካብ ቅሩብ ጊዜ ጀሚሩ ኸም ዘላኢ ተላዕለ፡ ነቶም ጸረ ውግእ ዝዀኑ ሀዲኦም ዚሐልፋስ ባርኖሶም ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ትገፉ።
9. ነንስቲ ህዝበይ ካብ ኣባይቲ ደስታኤን ትሰጕወን፣ ካብ ደቀን ክብረተይ ንሓዋሩ ትወስዱ።
10. ብሰሪ እቲ ህሱም ጥፍኣት ዜጥፍእ ርኽሰት፣ እዚ ስፍራ ዕረፍትኹም ኣይኰነን እሞ፣ ተንስኡ፣ ኪዱ።
11. ኣነ ብዛዕባ ወይንን ብርቱዕ መስተን ክንበየልካ፣ ኢሉ ደድሕሪ ንፋስ ዚስዕብን ሓሶት ዚዛረብን እንተሎ፣ ንሱ ነዚ ህዝቢ እዚ ነብዪ ይኸውን።
12. ዎ ያእቆብ፣ ኣነ ክእክበካ፣ ኵለንትናኻ ክእክብ፣ ነቲ ተረፍ እስራኤል ብርግጽ ክእክቦ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ቦጽራ፣ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ክምጽኦ እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ እተላዕለ ብርቱዕ ወካዕታ ኪኸውን እዩ።
13. እቲ ጠሓሲ ኣብ ቅድሚኦም ይድይብ፣ ንሳቶም ይጥሕሱ፣ ናብታ ደገ ኸኣ ይሓልፍ፡ ብእኣውን ይወጹ። ንጉሶም ቀቅድሚኦም ይሐልፍ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ርእሶም ይኸውን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...