1. ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ

2. ደቀ መዛሙርቱ ድማመምህርዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለንሱዶ ወይስ ወለዱኢሎም ሐተትዎ

3. የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለወለዱ ኣይበደሉ።

4. መዓልቲ ኸላግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ።

5. ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

6. እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለበቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረበቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥

7. ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም - ትርጓሚኡ ልኡኽኬድካ ተሐጸብበሎከይዱ ተሐጽበእናረአየውን ተመልሰ

8. ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩንእዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነንበሉ

9. ገሊኦምንሱ እዩበሉካልኦት ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስልበሉንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ

10. ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታበልዎ

11. ንሱ ኸኣ፥ እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸዩኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብበለኒከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹኢሉ መለሰሎም

12. እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎበልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥንበሎም

13. ነቲ ቕድም ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ

14. እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት

15. ስለዚ ፈሪሳውያንከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ጽብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይተሐጸብኩ እሞ ርኤኹበሎም

16. ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎእዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየክብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነንበሉካልኦት ድማ፥ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይክእል፧ በሉኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ

17. ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብልበልዎንሱ ድማ፥ ነብዪ እዩ፡ በለ

18. እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን እሞ፥

19. እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ አሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም

20. እቶም ወለዱ ድማእዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደንፈልጥ

21. ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ ኣይንፈልጥን መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተአዎንሱ በጽሒ እዩብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ።

22. ኣይሁድንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ

23. ስለዚ እቶም ወለዱንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎበሉ

24. ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖምእዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢናንኣምላኽ ክብሪ ሃብበልዎ

25. ሽዑ ንሱ መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥንዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም

26. ሽዑ ንሳቶም፥ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካበልዎ

27. ንሱ ኸኣ፥ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ አሎኹም፧ ንስካትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም

28. ጸረፍዎ እሞንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና

29. ንሕናስኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦንፈልጥ አሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ።

30. እቲ ሰብኣይ ከኣካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥ ኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ

31. ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና።

32. ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን

33. እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም።

34. ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ

35. የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎሰምዔምስ ረኸቦ ኸኣኣታብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻበሎ

36. ንሱ ኸኣጐይታይ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ

37. የሱስ ድማርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩበሎ

38. ንሱ ኸኣጐይታይእኣምንበለ ሰገደሉውን

39. የሱስ ድማኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩበለ

40. ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖምንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲናበልዎ

41. የሱስ ድማ፥ ዕዉራት እንተ ትዀኑስ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩሕጂ ግናንርኢ አሎና፡ ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም