1. ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎምበዚ ኸምዚውን ተራእዮም

2. ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቀ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ

3. ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉበታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን

4. ምድሪ ምስ ወግሔየሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን

5. የሱስ ከኣደቀይገለ ዚብላዕዶ አሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፥ የብልናንኢሎም መለሱሉ

6. ንሱ ኸኣ፥ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ።

7. እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ ጐይታና እምበር እዩበሎስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ

8. እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ እናሰሐብዎብጃልባ መጹ

9. ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ

10. የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡበሎም

11. ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ አትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለሰትን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን

12. የሱስ ድማ፥ ንዑ ተመስሑበሎምእቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን።

13. የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦምከምኡውን ነቲ ዓሳ

14. የሱስ ድሕሪ ኻብ ምዉታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳይ ጊዜኡ እዩ

15. ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ በሎ።

16. ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜስምኦን ወዲ ዮናተፍቅረኒዶ ኢኻበሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ።

17. ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮናተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎጴጥሮስሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎጕህዩጐይታይንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎየሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ

18. ንስኻ በጽሒ ኸሎኻባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግናኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይ ደሌኻዮውን ከም ዚወስደካብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ

19. ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፥ ስዐበኒበሎ

20. ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፥ ጐይታይኣሕሊፉ ዚህበካ መን እዩ፧ ዝበሎ እዩ

21. ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስጐይታይእዚኸ ኸመይ ምዃኑ፧ በሎ

22. የሱስ ከኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካንስካ ግዳ ስዐበኒበሎ

23. ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውትእዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸየሱስ ግናክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸእንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን

24. እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወዲ መዝሙር እዚ እዩእቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና።

25. የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ

Chap 20