1. ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎም፡ በዚ ኸምዚውን ተራእዮም፥
2. ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቀ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ።
3. ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን።
4. ምድሪ ምስ ወግሔ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን።
5. የሱስ ከኣ፥ ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ አሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፥ የብልናን፡ ኢሎም መለሱሉ።
6. ንሱ ኸኣ፥ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ።
7. እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።
8. እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ እናሰሐብዎ፡ ብጃልባ መጹ።
9. ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ።
10. የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ፡ በሎም።
11. ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ አትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለሰትን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን።
12. የሱስ ድማ፥ ንዑ ተመስሑ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን።
13. የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦም፡ ከምኡውን ነቲ ዓሳ።
14. የሱስ ድሕሪ ኻብ ምዉታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳይ ጊዜኡ እዩ።
15. ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ በሎ።
16. ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ።
17. ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎ፡ ጕህዩ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ።
18. ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይ ደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።
19. ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፥ ስዐበኒ፡ በሎ።
20. ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፥ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዚህበካ መን እዩ፧ ዝበሎ እዩ።
21. ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፥ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፧ በሎ።
22. የሱስ ከኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፡ ንስካ ግዳ ስዐበኒ፡ በሎ።
23. ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን።
24. እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወዲ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና።
25. የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...